Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 6:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ከዓ፥ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ። እንሆ ፀሊም ፈረስውን ረአኹ። እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ ኣብ ኢዱ ሚዛን ሒዙ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 6:5
11 Referencias Cruzadas  

ካብቲ ረስኒ ጥሜት ዝተልዓለ ቈርበትና ኸም እቶን ፀለመ።


እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሰቕሊ ይኹን። በብጊዜኡ ኽትበልዖ ኢኻ።


መሊሱውን “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እንሆ ኣብ ኢየሩሳሌም ንምርኩስ እንጀራ ኽሰብሮ እየ፤ እንጀራን ማይን ክስእኑ እዮም እሞ፥ ንእንጀራ ብሚዛንን ብፍርሕን ክበልዕዎ፥ ንማይ ከዓ ብመስፈሪን ብድንጋፀን ክሰትይዎ እዮም፤ እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ኾይኖም ክትክዙ፥ ብሰንኪ ሓጢኣቶምውን ክጠፍኡ እዮም” በለኒ።


እንጀራ ኽኽልክለኩም እንተለኹ ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ክስንክታ እየን። እንጀራኹም ድማ ብመቝነን ክወሃበኩም እዩ፤ በሊዕኹም ከዓ ኣይትፀግቡን ኢኹም።


ኣብቲ ቐዳማይ ሰረገላ ሃመራት ኣፍራስ፥ ኣብቲ ኻልኣይ ሰረገላ ኸዓ መጋላት ኣፍራስ ነበሩ።


እቲ በዓል መጋላት ኣፍራስ ናብ ሰሜን ይወፅእ፤ እቲ በዓል ኣምበላይ ኣፍራስ ድማ ብድሕሪኡ ይወፅእ፤ እቲ በዓል ዝንጕርጕር ኣፍራስውን ናብ ደቡብ ይወፅእ።


ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፥ መንግስቲ እውን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኽለዓል እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ፥ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ።


ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።


ከምዙይ እናበሉ ኸዓ፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦ “ንስኻ፥ ነቲ መፅሓፍ ክትወስዶ፥ ነቲ ማሕተማቱውን፥ ክትፈትሖ ይግብአካ እዩ። ተሓሪድካ ሞይትካ፥ ብደምካ ድማ፥ ካብ ኵሉ ዓሌታትን፥ ቋንቋታትን፥ ህዝብን፥ ኣህዛብን፥ ንእግዚኣብሄር ዝኾኑ ሰባት፥ ዓዲግካ ኢኻሞ፤


እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos