13 ኦም በለስ፥ ብርቱዕ ንፋስ ነነው ምስ ኣበላ፥ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፥ ከምኡ ኸዓ፥ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ረገፉ።
ንሱ ኸምታ ፍሪኣ ብጕዑ ዝወደቐ ተኽሊ ወይኒ፥ ከምታ ዕምበባኣ ዝረገፈ ኦም ዘይቲ እዩ።
ከዋኽብቲ ሰማይን ሰራዊቶምን፥ ብርሃኖም ኣይህቡን እዮም፤ ፀሓይ ክትበርቕ እንተላ ኽትፅልምት እያ፤ ወርሒ ኸዓ ብርሃና ኣይትህብን እያ።
እታ ምድሪ በኸየት፤ መንመነት፤ ሊባኖስ ሓፈረትን ፀምለወትን፤ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ኾነ፥ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቘፅሎም ረገፈ።
ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ክጠፍኡ እዮም፤ ሰማያትውን ከም መፅሓፍ ክጥቕለሉ እዮም፤ ከምቲ ቘፅሊ ኻብ ተኽሊ ወይንን፥ ካብ ኦም በለስን ዝረግፍ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ኸምኡ ኽረግፉ እዮም።
ንቤት ዳዊት “ሶርያን ኤፍሬምን ተሓባቢሮም” ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ፥ ኦም በረኻ ብንፋስ ከም ዝናወፅ ልቡን ልቢ ህዝቡን ከምኡ ተናወፀ።
ከጥፍአካ እንተለኹ፥ ንሰማያት ከጐልብቦ፥ ንኸዋኽብቱ ኸዓ ኸፀልምቶም፥ ንፀሓይ ድማ ብደመና ኽኽውላ እየ፤ ወርሒውን ብርሃና ኣይትህብን እያ።
ንሱ ኸዓ ዓው ኢሉ ነዝ ኦም ቍረፅዎ፤ ጨናፍሩ ጠጥፉ፤ ቈፅሉ ኣርግፉ፤ ፍረኡ በትኑ፤ እቶም ኣብ እግሩ ዘለዉ እንስሳን፥ እቶም ኣብ ጨናፍሩ ዘለዉ ኣዕዋፍውን ይህደሙ።
ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ልዕል ልዕል በለ፤ ካብ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ድማ፥ ንብዙሓት ናብ ምድሪ ኣውዲቑ ረገፆም።
እታ ዓባይን መፍርሒትን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ፀሓይ ናብ ፀልማት፥ ወርሒ ድማ ናብ ደም ክትልወጥ እያ።
ኵሉ ዕርድታትኪ፥ ከም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፤ ነቲ ኦም ነነው እንተ ኣበልካዮ፥ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ።
“ድሕሪ መከራ ናይተን መዓልቲታት እቲኣተን ከዓ፥ ሽዑ ንሽዑ ፀሓይ ክትፅልምት እያ፤ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይትህብን እያ፤ ከዋኽብቲ እውን ካብ ሰማይ ክወድቁ እዮም፤ ሓይልታት ሰማያት ድማ ኽናወፁ እዮም።
ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፥ ሓይልታት ሰማያትውን ክናወፁ እዮም።
“ኣብ ፀሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከዓ፥ ምልክት ክኸውን እዩ፤ ኣብ ምድሪ እውን፥ ብድምፂ ባሕርን ማዕበልን ኣህዛብ ክጭነቑን ክህወኹን እዮም።
እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኮኸብ ከዓ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ እንተሎ ረአኹ፤ መፍትሕ እቲ ዓሚቝ ጕድጓድውን ተውሃቦ።