8 ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።
ፀሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን ተቐበለለይ፤ ምልዓል ኢደይውን ከም መስዋእቲ ሰርኪ ይኹን።
ብድምፂ መለኸት ኣመስግንዎ፤ ብበገናን ብመሰንቆን ኣመስግንዎ።
ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፤ ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ።
ናብ መሰውኢ እግዚኣብሄር፥ ንጕብዝናይ ናብ ዘሐጕሳ ናብ ኣምላኸይ ክኣቱ እየ፤ ኦ ኣምላኸይ፥ ብበገና ኸመስግነካ እየ።
መዝሙር ኣልዕሉ፤ ከበሮ ውቕዑ፤ ዘሐጕስ በገና ምስ መሰንቆ፥
ሚእትን ዓሰርተን ግራም ዝሚዛኑ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቂ፥
ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።
መሊሱ፥ ነቲ በዅሪ ወዱ ናብ ዓለም ክልእኾ እንተሎ፥ “ኵላቶም መላእኽቲ እግዚኣብሄር ይስገዱሉ” ይብል።
እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
ድሕሪዙይ ብርለ ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱውን ምስ ሓዊ ዝተሓዋወሰ እዩ። እቶም፥ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን፥ ነቲ መፀውዒኡ ዝኾነ ቝፅርን ዝሰዓሩ፥ ናይ እግዚኣብሄር በገናታት ሒዞም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት፥ ደው ኢሎም ረአኹ።
ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር እግዚኣብሄር ዝተመልአ፥ ሸውዓተ ፅዋዕ ወርቂ፥ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሃቦም።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኮይኑ ዝነብር፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ። ኣኽሊላቶም፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣንቢሮም ከዓ፦
ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።
ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።
እቶም ኣርባዕተ እንስሳ፥ ነፍሲ ወከፎም፥ ሸሽዱሽተ ኣኽናፍ ኣለዎም። ብዙርያኣቶምን ብውሽጣቶምን፥ ኣዒንቲ ዝመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን ድማ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን” ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።
ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።
ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።
እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።
እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።