Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 5:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 5:6
35 Referencias Cruzadas  

ነቶም ብምሉእ ልቦም ናብኡ ዝፅግዑ ምእንቲ ኸፅንዖም፥ ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብ ኵሉ ምድሪ እዩ ዝርኢ። በዙይስ ስንፍና ኢኻ ዝገበርካ፤ ስለዙይ ድማ ኻብ ሕዚ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ” በሎ።


ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን በበይኑ ዓይነት ቋንቋታት ዝዛረቡን ክግዝኡሉ፥ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተውሃቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፤ መንግስቱውን ከቶ ኣይትጠፍእን እያ።


ኣዒንተይ ኣልዒለ ረአኹ፤ እንሆ፥ ክልተ ዝቐርኑ ማጕላ ኣብ ቅድሚ እቲ ሩባ ደው ኢሉ ነበረ፤ እተን ክልተ ኣቕርንቱ ድማ ነዋሕቲ ነበራ። እታ ሓንቲ ኻብታ ሓንቲ ዝነውሐት ነበረት። እታ ነዋሕ ቐርኒ ደሓር ዝወፀት ነበረት።


ኣቲ ጓል ፅዮን ተልዒልኪ ኣኺዲ፤ ንቐርኒኺ ሓፂን፥ ንሸዀናኺ ነሃስ ክገብሮ እየሞ፥ ንብዙሓት ኣህዛብ ክትሰባብሪ ኢኺ፤ ኣነውን ነቲ ዝዘመትዎ ንእግዚኣብሄር፥ ሃብታቶምውን ንጐይታ ዅላ ምድሪ ኽቕድሶ እየ።


ነፀብራቑ ኸም ብርሃን እዩ፤ ካብ ኢዱ ጩራ ወፀ፤ ሓይሉውን ኣብኡ ተሓብአ።


ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ዘንበርክዎ እምኒ እንሆ፤ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ሸውዓተ ኣዒንቲ ኣለዉዎ፤ እንሆ ነቲ ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ዓይኒ ኣለዎ፤ ሓንቲ እምኒ ኣብ ልዕሊኡውን ቅርፁ ኽቐርፅ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፤ ንበደል እታ ምድሪ ድማ ብሓንቲ መዓልቲ ኸወግዶ እየ።


ንመዓልቲ ኣናእሽቲ ነገር ዝንዕቕ መን እዩ? ኣብ ኢድ ዘሩባቤል ዘላ መለክዒት መንደቕ እንትሪኡ ክሕጐሱ እዮም፤ እዞም ሸውዓተ እዚኣቶም ከዓ፥ ኣብ ኵሉ ምድሪ ዝዘዋወሩ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዮም።”


ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥


ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዓመት ዝገበረ ሓደ ጡበት በጊዕን፥


ከምቲ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ፥ ብኣፍ እቶም ቅዱሳን ነቢያቱ ዝተዛረቦ፥ ካብ ቤት ዳዊት ባርያኡ፥ ሓይሊ ምድሓን ኣተስአልና።


ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ።


ንኢየሱስ ክሓልፍ እንተሎ ምስ ረአዮ “እንሆ! ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ” በለ።


እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ፅሑፍ ከዓ፦ “ከም በጊዕ፥ ናብ ማሕረዲ ተዀብኰበ፤ ከምቲ ኣብ ቕድሚ መቃሲኡ ስቕ ዝብል በጊዕ ከዓ፥ ኣፉ ኣይከፈተን፤


ካብ ዮሃንስ፥ ናብተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያን፥ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመፅእን፥ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዙፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን፥ ካብቲ ኻብ ሞት ብምትሳእ በዅሪ ዝኾነን፥ እሙን ምስክርን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ነቲ ዘፍቀረና፥ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓፀበና፥


ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።


እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።


ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥ ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ።


እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።


ኣብታ ኸተማ፥ መቕደስ ኣይረአኹን፤ እቲ ንዅሉ ዝገዝእ ጐይታ ኣምላኽን፥ እቲ በጊዕን፥ መቕደሳ እዮም እሞ።


እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።


ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።


ድሕሪ ደጊምስ መርገም፥ ከቶ ኣይህሉን እዩ። ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ዙፋን እቲ በጊዕን፥ ኣብኣ ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣገልገልቱውን ከምልኽዎ እዮም፤


እቶም ኣርባዕተ እንስሳ፥ ነፍሲ ወከፎም፥ ሸሽዱሽተ ኣኽናፍ ኣለዎም። ብዙርያኣቶምን ብውሽጣቶምን፥ ኣዒንቲ ዝመልኦም እዮም፤ ለይትን መዓልትን ድማ “ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ቅዱስ፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ዝነበረን ዘሎን ዝመፅእን” ካብ ምባል፥ ኣየቋርፁን ነበሩ።


ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።


ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፥ “ነቲ ዝተሓረደ በጊዕ፥ ስልጣን፥ ሃብቲ፥ ጥበብ፥ ሓይሊ፥ ክብሪ፥ ግርማ፥ ውዳሴ፥ ይግብኦ እዩ” በሉ።


እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።


እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።


ንእምባታትን ነኻውሕን ድማ፥ “ካብ ገፅ እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ካብ ቍጥዓ እቲ በጊዕን፥ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና።


እቶም ምስ እግዚኣብሄር ዝፃልኡ ይደቁ፤ ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጐድጕድ፤ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ይፈርድ፤ ንንጉስ ሓይሊ ይህብ፤ ንቐርኒ መሲሑ ኸዓ ልዕል ልዕል የብሎ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos