3 ነቲ መፅሓፍ እቱይ፥ ክቐልዖን ወይ ከንብቦን ዝኽእል፥ ኣብ ሰማይ ኮነ ወይ ኣብ ምድሪ፥ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፥ ሓደኳ ኣይነበረን።
እንተ ጠመትኩ፥ ሓደ እኳ የለን፤ ኣብ ማእኸሎም መማኸሪ የለን፤ እንተ ጠየቕክዎም ድማ፥ መልሲ ኽህብ ዝኽእል የለን።
ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ? ዘማኽሮኸ መን እዩ?
ስለዙይ ንኽብሪ ስም ኢየሱስ፥ ኵሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ብርኪ፥ ምእንቲ ኽምብርከኽ፥
እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።
ኣነ ድማ፥ ነቲ መፅሓፍ ዝቐልዖ ወይ ዘንብቦ ብቑዕ፥ ሓደኳ ስለ ዘይተረኽበ፥ ብዙሕ በኸኹ።