Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 5:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ሽዑ ድማ ረአኹ፤ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ኣሕሉቕን ከዓ፥ ድምፂ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኹ፤ ቍፅሮም ድማ፥ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፥ ኣሽሓት ጊዜውን ኣሽሓት እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 5:11
18 Referencias Cruzadas  

ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።


ኣቱም ትእዛዙ እትፍፅሙ ብርቱዓትን ሓያላትን፥ ናይ ቃሉ ድምፂ እትሰምዑ ኵልኻትኩም መላእኽቱ፥ ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።


ኵልኹም መላእኽቱ፥ ኣመስግንዎ፤ ኵልኹም ሰራዊቱ፥ ኣመስግንዎ።


ሰረገላታት እግዚኣብሄር ክልተ እልፊ፥ ኣሽሓት ጊዜ ኣሽሓት እዮም፤ ጐይታ ኣብ መቕደሱ ኣብ ሲና፥ ኣብ ማእኸሎም እዩ።


ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።


“እግዚኣብሄር ካብ ሲና መፀ፤ ካብ ሴይር ድማ ኣብ ልዕሊኣቶም ወረደ፤ ካብ እምባ ፋራን ኣንፀባረቐ፤ ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ መፀ፤ ካብ የማናዩ ሓዊ ወፀሎም።


ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥


እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ትውልዲ ዝኾነ ሄኖክውን፥ ብዛዕባ እዞም ሰባት እዚኣቶም፦ “እንሆ፥ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም፥ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ኽመፅእ እዩ። ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ፥ ብዛዕባ እቲ ብኽፉእ መንገዲ ዝገብርዎ ዅሉ ኽፉእ ግብርን፥ ብዛዕባ እቲ ኽፍኣት ሓጢኣተኛታትን፥ ብዛዕባኡ ዝተዛረብዎ ዅሉ ዘረባ ድፍረትን፥ ክቐፅዖም እዩ” ኢሉ ተነበየሎም።


ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙሕ ሰብን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ “ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።


ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።


ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።


እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸዓ፥ “ኣሜን” በሉ። እቶም ኣሕሉቕውን፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።


ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።


ነቲ መፅሓፍ ምስ ወሰዶ ኸዓ፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ በጊዕ፥ ብግምባሮም ተደፊኦም ሰገዱ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ መሰንቆን፥ ዕጣን ዝመልአ ፅዋዕ ወርቅን ሒዞም ነበሩ። እዙይ ድማ፥ ፀሎት እቶም ቅዱሳን እዩ።


እቶም መላእኽቲ ዅላቶም፥ ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቆሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ብግምባሮም ተደፊኦም ከዓ፥ ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።


ቍፅሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ፥ ክልተ እልፊ ጊዜ እልፊ እዩ፥ ዝብል ሰማዕኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos