Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 4:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 እቲ ቐዳማይ እንስሳ፥ ኣንበሳ ይመስል፤ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ ብዕራይ ይመስል፤ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸዓ፥ ናይ ሰብ ዝመስል ገፅ ኣለዎ፤ እቲ ራብዓይ እንስሳ ድማ፥ ዝነፍር ንስሪ ይመስል።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 4:7
20 Referencias Cruzadas  

ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?


ሳኦልን ዮናታንን ዝፋተዉን ዝተሓባበሩን ነበሩ፤ ኣብ ህይወቶምን፥ ኣብ ሞቶምን ኣይተፈላለዩን፤ ካብ ንስሪ ዝቕልጥፉ፥ ካብ ኣንበሳ ዝሕይሉ ነበሩ።


ብሰንኪ ዓመፃ እታ ሃገር፥ ገዛእታ ይበዝሑ፤ ብመስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ዘመና ይነውሕ።


እቶም ንእግዚኣብሄር ተኣማሚኖም ዝፅበዩ ግና፥ ሓይሎም ይሕድሱ፤ ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፤ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፤ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።


ምስሊ ገፆም ገፅ ሰብ ይመስል፤ ኣርባዕቲኦም ከዓ በቲ የማናይ ወገኖም ገፅ ኣንበሳ፥ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ፀጋማይ ወገኖም ገፅ ብዕራይ፥ ኣርባዕቲኦምውን ገፅ ንስሪ ነበሮም።


በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፤ ነርባዕቲኦም ከምዙይ ዝበለ ገፅን ክንፍን ነበሮም።


ንሱ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገፅ ነበሮ፤ እቲ ቐዳማይ ገፅ ኪሩብ፥ እቲ ኻልኣይ ገፅ ሰብ፥ እቲ ሳልሳይ ከዓ ናይ ኣንበሳ ገፅ፥ እቲ ራብዓይ ድማ ናይ ንስሪ ገፅ እዩ።


ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገፅን ኣርባዕተ ኽንፍን ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከዓ ኣእዳው ሰብ ዝመስል ነበሮም።


እቲ ቐዳማይ ኣንበሳ ይመስል፤ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፉ ኽሳዕ ዝንቀል ከዓ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ እውን ልዕል ልዕል በለ፤ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፤ ልቢ ሰብውን ተውሃቦ።


ከም ንስሪ ተወንጪፍካ ንላዕሊ እንተ ደየብካ፥ ቤትካውን ኣብ ማእኸል ከዋኽብቲ እንተ ኾነ፥ ካብኡ ኸውርደካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


እንሆ ህዝቢ እስራኤል ከም ዋዕሮ ይትስእ፤ ከም ኣንበሳ ይለዓል፤ ዝሃደኖ ኽሳዕ ዝበልዕ፥ ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።”


ከም ኣንበሳ ዓሪፉ ይድቅስ፤ ከም ዋዕሮ ድማ ተገዲሙ፤ ከተስኦ ዝደፍር መን እዩ? ንኣኻ ዝምርቕ ምሩቕ ይኹን፤ ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።”


ኣሕዋተይ፥ በተሓሳስባኹም ከም ህፃናት ኣይትኹኑ፤ ንኽፉእ ደኣ ህፃናት ኩኑ እምበር፥ በተሓሳስባኹምስ ብሱላት ኩኑ።


“ቋንቋኣቶም ዘይትሰምዕዎም ህዝቢ፥ ከም ንስሪ ዝነፍሩ ህዝቢ፥ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፥ ካብ ወሰን ምድሪ፥ ናባኻትኩም ከምፅእ እዩ።


ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።


ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” በለኒ።


ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ከዓ፥ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ። እንሆ ፀሊም ፈረስውን ረአኹ። እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ ኣብ ኢዱ ሚዛን ሒዙ ነበረ።


ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸዓ፥ ድምፂ እቲ ራብዓይ እንስሳ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos