Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 4:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ኸዓ፥ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን፥ ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ፥ መረግድ ዝመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 4:3
13 Referencias Cruzadas  

ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ረአይዎ። እቲ መርገፂ እግሩ ድማ ኻብ ብሩህ ሰማያዊ ሰንፔር ከም ዝተገብረ ምድሪ ቤት ነበረ።


ኣብ ካልኣይ መስርዕ፥ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ።


ኣብ ካልኣይ መስርዕ፦ መረግድ፥ ሰንፔር፥ ኣልማዝ፤


በታ ንጉስ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።


ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ።


ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም፥ ኣብ ደመና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፥ ከምኡ ትርኢት ፀዳል እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ፤ ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ፤ ምስ ረአኽዎ ኸዓ ብገፀይ ወደቕኩ፤ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኹ።


ሽዑ ጠመትኩ፤ እንሆ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለውዎ ጠፈር፥ ከም እምኒ ሰንፔር ኮይኑ፥ ትርኢት ዙፋን ዝመስል ኣብ ልዕሊኣቶም ተርኣየ።


ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።


ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።


ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos