9 እንሆ፥ ካብቶም ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፥ ኣይሁድ እንተይኮኑ፥ ሓስዮም “ኣይሁድ ኢና” ዝብሉ፥ መፂኦም ኣብ እግርኻ ወዲቖም፥ ከም ዝሰግዱልካ ኽገብሮም እየ። ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ከፍልጦም እየ።
ኣብ ኵለን ሃገራትን ኣብ ኵለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበፅሖ ዅሉ ቦታ ንኣይሁድ ሓጐስን ደስታን ኮነሎም፤ ብመብልዕን መስተን ድማ ዓብዪ በዓል ገበሩ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸዓ፥ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሑ፥ ብዙሓት ሰባት ኣይሁድ ኮኑ።
ሙሴ ኸዓ ኣስዒቡ “ኵሎም እዞም ኣገልገልትኻ ናባይ ክመፁ እዮም፤ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶም ድማ፥ ‘ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውፃእ’ ኢሎም ክልምኑኒ እዮም። ሽዑ ኸዓ ኽንወፅእ ኢና” በለ። ብድሕሪኡ ሙሴ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብ ፈርዖን ወፀ።
“ኣብ ኣዒንተይ ብሉፅን ክቡርን ስለ ዝኾንካን፥ ስለ ዘፍቀርኩኻን፥ ክንዲ ኽንዳኻ ሰባት፥ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ “ሃብቲ ግብፅን ኢትዮጵያን ናትካ ክኸውን እዩ፤ እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ሰብ ሳባ ኸዓ፥ ንኣኻ ክኾኑ እዮም። ንሳቶም ብሰንሰለት ተኣሲሮም፥ ደድሕሬኻ ኽስዕቡ እዮም። ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱን፥ ‘ብሓቂ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፤ ብዘይ ንሱ ኻልእ ኣምላኽ ከቶ የለን’ እናበሉ ኽልምኑኻ እዮም።
ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”
ደቂ እቶም ዝገፍዑኺ፥ ክሳዶም እናድነኑ ናባኺ ኽመፁ፥ እቶም ዝነዓቑኺ ዅሎም ድማ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኪ፥ ፍግም ኢሎም፥ ክሰግዱልኪ እዮም እሞ፥ ‘ፅዮን፥ ከተማ እግዚኣብሄር፥ ናይቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ’ ኢሎም ክፅውዑኺ እዮም።”
እዙይ ድማ ኸምቲ ኣነ ኣብኣቶም፥ ንስኻውን ኣባይ ዝኾንካ፥ ንሳቶምውን ብሓድነት ፍፁማን ምእንቲ ክኾኑ እዩ፤ ከምኡ ድማ ንኣይ ከም ዝለኣኽካኒ፥ በቲ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪውን፥ ንኣኣቶም ከም ዘፍቀርካዮም፥ ዓለም ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ።
መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ።
እቲ ኵሉ ኻብ ቤትካ ዝተረፈ ኸዓ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ቍራስ እንጀራን ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽሰግድ እዩ፤ ‘ቍራስ እንጀራ ምእንቲ ኽበልዕስ፥ በይዛኻ እንዶ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት መድበኒ’ እናበለ ድማ ኽልምኖ እዩ።”