5 እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’
ደቁ ይጥፍኡ፤ ብሓደ ትውልዲ ስሙ ይደምሰስ።
ካብ መፅሓፍ ህያዋን ይደምሰሱ፤ ምስ ፃድቃንውን ኣይፀሓፉ።
“በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ ንሳቶም ገንዘበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ኣነ ኸዓ፥ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝምሕሮ፥ ክምሕሮም እየ።
“ንዅሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝምስክረለይ፥ ኣነ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክምስክረሉ እየ።
ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
“ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝምስክረለይ፥ ኣነውን ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ እግዚኣብሄር፥ ክምስክረሉ እየ።
ከጥፍኦም፥ ስሞም እውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፤ ንኣኻ ድማ ኻብኣቶም ንዝሕይልን ንዝበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ’ በለኒ።
ንስኻውን ኣታ እሙን መሳርሕተይ፥ ክትድግፈን፥ እልምነካ ኣለኹ። ንሳተን ምስ ቀሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዝተፅሓፈ ኻልኦት መሳርሕተይን፥ ምሳይ ብኣገልግሎት ወንጌል ዝፀዓራ እየንሞ።
ነቲ ኻብ ውድቀት ክሕልወኩም፥ ነውሪ ዘይብልኩም ገይሩ፥ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብታሕጓስ ከቑመኩም ዝከኣሎ፥
እቶም ካብ ምፍጣር ዓለም ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብቲ ናይቲ ዝተሓርደ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም፥ ክሰግዱሉ እዮም።
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።
ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’
ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።
ስሙ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዘይተረኸበ ዅሉ፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ ተደርበየ።
እቶም፥ ኣብቲ ናይቲ በጊዕ መፅሓፍ ህይወት፥ ዝተፅሓፉ ደኣ እምበር፥ ርኽሰት፥ ኵሉ ዘፀይፍን ሓሰትን ዝገብር፥ ናብኣ ኸቶ ኣይኣቱን እዩ።
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።
ነቲ ዝስዕር፥ ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ፥ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣውን ከቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’
ኣብ ሰርዴስ ግና፥ ክዳውንቶም ዘየርስሑ፥ ውሑዳት ሰባት ኣለዉ። ንሳቶም ዝተገብኦም እዮም እሞ፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፥ ምሳይ ክኸዱ እዮም።
ንነፍሲ ወከፎም ድማ፥ ፃዕዳ ኽዳን ተውሃቦም፤ ቍፅሪ እቶም ከምኣቶም ክቕተሉ ዘለዎም፥ ብፆቶም ኣገልገልትን ኣሕዋቶምን፥ ክሳዕ ዝመልእ ኸዓ፥ ገና ንቑሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም።
እቶም ሰብ እስራኤል ድማ “ነዝ ተሲኡ ዘሎ ሰብኣይ እዙይ ትርእይዎዶ ኣለኹም? ንእስራኤል ከባጩ እዩ ተሲኡ ዘሎ። ነቲ ነዙይ ዝቐትል ሰብኣይ ንጉስ ከሀብትሞ እዩ፤ ጓሉ ኸዓ ኽህቦ፥ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ካብ ግብሪ ነፃ ኽገብሮ እዩ” በሉ።