18 ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ።
ኣብ ልዕሊ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝዓመፁ፥ ንምኽሪ ልዑልውን ስለ ዝነዓቑ፤
ነቲ ዝመኽረኒ እግዚኣብሄር እባርኾ፤ ብለይቲውን ኰላሊተይ ይግስፃኒ።
ኣነ ኽምህረካ እየ፤ በታ እትኸደላ መንገዲውን ክመርሐካ እየ፤ ዓይነይ ኣብ ልዕሌኻ ኸፅንዕ እየ።
ብምኽርኻ መራሕኻኒ፤ ምስ ክብሪውን ተቐበልካኒ።
ንዅሉ ምኽረይ ሸለል ስለ ዝበልኩም፥ ንተግሳፀይ ኣይተቐበልኩምዎን።
ንምኽረይ ስለ ዘይፈተኹምዎን፥ ንተግሳፀይውን ስለ ዝነዓቕኩምዎ፥
ምኽሪ ስማዕ፥ ተግሳፅውን ተቐበል፤ ኣብ መወዳእታኻ ኸዓ ጥበበኛ ኽትከውን ኢኻ።
ንሓቂ ዓድጋ እምበር ኣይትሽጣ፤ ንሓቂ ንጥበብ ንተግሳፅ ንምስትውዓልን ድማ ገንዘብካ ግበረን።
ኣነ “ብእግዚኣብሄር ስለ ዝመሓልካ ንትእዛዝ ንጉስ ሓልዎ” እብለካ ኣለኹ።
ዕርቃንኪ ይቀላዕ፤ ሕፍረትኪ ኸዓ ይረአ፤ ኣነ ኽብቀል እየ፤ ንዝኾነውን ኣይርህርህን።”
“ኣቱም ፅሙኣት ኵልኻትኩም ናብ ማይ ንዑ፤ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩምውን ንዑ፤ ዓድጉ እሞ ብልዑ። ንዑ፤ ብዘይ ገንዘብ፥ ብዘይ ዋጋ ወይንን ፀባን ዓድጉ።
ስለዙይ ሓፍረትኪ ምእንቲ ኽረአ፥ ዘፈር ክዳንኪ ኽሳዕ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ።
ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፥ ብዙሓት ክትስኡ እዮም፤ ገሊኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፥ ገሊኣቶም ከዓ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ሓሳርን ክትስኡ እዮም።
ኣቲ ኣብ ሳፊር እትነብሪ፥ ዕርቃንኪ ወፂእኺ ብሕፍረት ሕለፊ፤ እታ ኣብ ፀዓናን እትነብር፥ ካብኡ ኣይወፀትን። ብኽያት ቤትኤፄል ስፍራኡ ኣሕደገኩም።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ፥ ኣብ ልዕሌኺ ተልዒለ እየ፤ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገፅኪ ኽቐልዖ እየ፤ ንኣህዛብ ዕርቃንኪ፥ ንመንግስታት ከዓ ሕፍረትኪ ኸርእዮም እየ።
ንሱ ኸምቲ ንብሩር ዝዅልዕን ዘፅርን ሰብ ክቕመጥ እዩሞ፥ ንሌዋውያንውን ኣንፂሁ ኸም ወርቅን ከም ብሩርን ከፅርዮም እዩ። ንሳቶምውን ብፅድቂ ንእግዚኣብሄር ቍርባን ዘቕርቡ ክኾኑ እዮም።
“መንግስተ ሰማያት፥ ኣብ ግራት ዝተሓብአ ሃብቲ እሞ፥ ሓደ ሰብ ምስ ረኸቦ ዝሓብኦ፥ ካብ ታሕጓሱ ዝተልዓለ ኸዓ፥ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፥ ነታ ግራት ዝዕድግ ትመስል።
እተን ለባማት ግና፥ ‘ናብቶም ዝሸጡ ደኣ ኼድክን ንባዕልኻትክን ዓድጋ እምበር፥ ንኣናን ንኣኻትክንን ዝኣክል የብልናን’ በላአን።
እቲ ንባዕሉ ሃብቲ ዝእክብ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ግና ሃብታም ዘይኮነ፥ ከምኡ እዩ።”
ሰማያዊ ሰብነት ምስ ለበስና፥ ዕሩቓት ኴንና ኣይንርከብን ኢናሞ።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም፤ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፥ ሃብታም እንተሎ፥ ምእንታኻትኩም ደኸየ።
ገበርቲ ሰናይ ክኾኑ፥ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፥ ለጋሳትን ንምክፋል ድልዋትን ክኾኑ ኣዝዞም።
ኣቱም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ እስኪ ስምዑ፤ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም፥ መንግስቲ፥ ምእንቲ ኽወርሱ፥ ብእምነት ሃብታማት ክኾኑ፥ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለምዶ ኣይሓረዮምን እዩ?
እዝ ፈተና እዙይ ዝበፅሐኩም ከዓ፥ እቲ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ብሉፅ ወርቂ፥ የመና ኸቢሩ ምእንቲ ኽርከብ እሞ፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለፅ እንተሎ፥ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኸምፅአልኩም እዩ።
“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”
ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።
መከራኻን ድኽነትካን እፈልጥ እየ፤ ግና ሃብታም ኢኻ። ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ፥ ግና ማሕበር ሰይጣን እምበር ኣይሁድ ዘይኮኑ፥ ፀርፊ ኸም ዝተቐበልካውን እፈልጥ እየ።
“ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ፤ ሓደኳ ዘድልየኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ፥ ሕሱርን፥ ዘደንግፅን፥ ድኻን፥ ዕዉርን፥ ዕሩቕን፥ ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ።
ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።
ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “እዞም ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑስ፥ እንታዎት እዮም? ካበይከ እዮም መፂኦም?” በለኒ።