16 ልህብ ዝበለ ስለ ዝኾንካ፥ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻሞ፥ ካብ ኣፈይ ክተፍአካ እየ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብሓቂ ፈፂምካዶ፥ ንይሁዳ ደርቢኻያ ኢኻ? ነፍስኻኸ ንፅዮንዶ ፀሊኣታ እያ? ስለ ምንታይ ደኣ ኸም ዘይንሓዊ ጌርካ ወቓዕኻና? ሰላም ተፀበና፤ ግና ሰናይ ኣይመፀን። እንሓውየሉ ጊዜ ተፀበና፤ እንሆ ኸዓ፥ ራዕዲ ኾነ።
እምበኣርከስ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ ኸወግዶ እየ።
“ ‘ዝሑል ወይ ምዉቕ ዘይምዃንካ፥ ግብርኻ እፈልጦ እየ፤ ኣበይሞ ዝሑል ወይ ምዉቕ ከም ኮንካ!
“ሃብታም እየሞ የመናውን መሊኡለይ ኣሎ፤ ሓደኳ ዘድልየኒ ነገር የብለይን” ብምባልካ፥ ሕሱርን፥ ዘደንግፅን፥ ድኻን፥ ዕዉርን፥ ዕሩቕን፥ ምዃንካ ኣይፈለጥካን ኢኻ።