Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 3:12 - መፅሓፍ ቅዱስ

12 ነቲ ዝስዕር፥ ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ፥ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣውን ከቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 3:12
26 Referencias Cruzadas  

ነቲ ኣዕማድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቖሞ። ነቲ የማናይ ዓምዲ ተኺሉ ያቁም ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ ፀጋማይ ዓምዲ ተኺሉ ድማ በለዝ ኢሉ ሰመዮ።


ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።


ከምቲ ሰሚዕናዮ ዝነበርና፥ ከምኡ ረአና፤ ኣብታ ኸተማ ጐይታ ሰራዊት፥ ኣብታ ኸተማ ኣምላኽና፥ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ከፅንዓ እዩ።


ኣቲ ኸተማ እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባኺ ዝተነግረ ዘደንቕ እዩ።


ኣህዛብ ንፅድቅኺ፥ ኵሎም ነገስታት ከዓ፥ ንኽብርኺ ኽርእይዎ እዮም፤ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውፅኦ ሓድሽ ስም ድማ፥ ክትፅውዒ ኢኺ።


ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።


እንሆ፥ ኵሎም ኣብታ ምድሪ ዘለዉ ነገስታት ይሁዳን ሹመኛታታን ካህናታን ህዝባን፥ ሎሚ ኸም ዝተዓረደት ከተማን ከም ዓምዲ ሓፂንን ከም ቅፅሪ ነሃስን ገይረካ ኣለኹ።


ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፥ ወርዳ ኸዓ ዓሰርተ ሓደ እመት ነበረ፤ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ፤ ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕምዲ ተዛነብ ከዓ ሓደ በቱይ፥ ሓደውን በቱይ ኣዕምዲ ነበሩ።


ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።


ንሳቶም ድማ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ “እዙይ መልክዑን ፅሕፈቱን ናይ መን እዩ?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ናይ ቄሳር” በልዎ።


እቶም ኣዕማድ ተብሂሎም ዝፅውዑ ያእቆብን ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ፥ ነቲ ተውሂቡኒ ዝነበረ ፀጋ ምስ ረአዩ፥ ንኣይን ንበርናባስን የማናይ ኢዶም ሃቡና። ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፥ ንሳቶም ከዓ ናብቶም ኣይሁድ ክኸዱ ተሰማማዕና።


ንስኻትኩም ግና ናብ እምባ ፅዮንን፥ ናብታ ኸተማ ህያው እግዚኣብሄር ዝኾነት ሰማያዊት ኢየሩሳሌምን፥ ናብቶም ብሓጐስ ዝተኣከቡ ኣእላፋት ዝኾኑ መላእኽትን፥


ነታ እትመፅእ ደኣ ንፅበ ኣለና እምበር፥ ኣብዙይ ነባሪት ከተማ የብልናን።


ኣቱም ደቀይ፥ ንስኻትኩም ካብ እግዚኣብሄር ኢኹም እሞ፥ ስዒርኩምዎም ኢኹም። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፥ የመና ዓብዪ እዩ እሞ።


ብድሕሪዙይ እቲ በጊዕ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ደው ኢሉ፥ ስሙን ስም ኣቦኡን፥ ኣብ ግምባሮም ዝተፅሓፎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ኸዓ፥ ምስኡ ረአኹ።


እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’


እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።


ገፁ ኽሪኡ እዮም፤ ስሙውን ኣብ ግምባሮም ክኸውን እዩ።


እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos