7 [ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ እቲ ንቓላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕሉ ኸዓ፥ ብፁእ እዩ” በለኒ።
“ነዝ እትሪኦ ዘለኻ፥ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፍካ፥ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ዘለዋ፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ስደዶ” ድማ በለኒ።
እቲ እዙይ ዝፍፀመሉ ዘመን ቀረባ ስለ ዝኾነ ድማ፥ እቲ ነዝ ቓል ትንቢት እዙይ ዘንብብ፥ ብፁእ እዩ፤ እቶም ዝሰምዕዎን፥ ነቲ ኣብኡ ተፅሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን፥ ብፁኣን እዮም።
“እንሆ፥ ከም ሰራቒ ኽመፅእ እየ፤ ጥራዩ ምእንቲ ኸይኸይድ፥ ንሓፍረቱውን ሰብ ከይሪኦ፥ እቲ ዝነቅሕን ክዳኑውን ዝሕሉ፥ ብፁእ እዩ።”
ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።
[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ንነፍሲ ወከፍውን፥ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ፥ ዓስበይ ምሳይ ኣሎ።
ኣነ፥ ነዝ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ዘሎ ቓል ትንቢት ንዝሰምዑ ዅሎም፥ እምስክረሎም ኣለኹ፤ ዝኾነ ሰብ፥ ኣብ ልዕሊ እዙይ እንተ ወሰኸ፥ እግዚኣብሄር ከዓ፥ ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፎም ዘለዉ መቕሰፍትታት፥ ክውስኸሉ እዩ።
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።
እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዝምስክር፥ “እወ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ” ይብል ኣሎ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።
ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።
ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።