6 ሽዑ እቲ መልኣኽ፥ ከምዙይ በለኒ፦ “እዘን ቃላት እዚኣተን፥ እሙናትን ሓቅን እየን። ጐይታ ኣምላኽ መናፍስቲ ነቢያት፥ ነቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግብኦ ነገር፥ ንኣገልገልቱ ኸርእዮም መልኣኹ ለኣኸ።”
እቲ ንኻልኣይ ጊዜ ደጊምካ ምሕላምካ፥ እቲ ነገር ካብ እግዚኣብሄር ስለ ዝተቘርፀ እዩ። እግዚኣብሄር ከዓ ቐልጢፉ ኽገብሮ እዩ።
ናቡከደነፆር ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸየምልኹን ከይሰግዱን ኢሎም፥ ንሰብነቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ፥ ኣብኡ ተኣሚኖም ንቓል ንጉስ ዘይተኣዘዙ፥ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፥ እቲ ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን ይባረኽ።”
ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንፁህ ስለ ዝኾንኩ፥ ንኣኻ ድማ ስለ ዘይበደልኩ፥ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፥ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ፤ ንሳቶምውን ኣይጐድኡንን” ኢሉ መለሰሉ።
ወዲ ሰብ ንመላእኽቱ ኽልእኾም እዩ፤ ንሳቶም ከዓ ንዅሎም ነቶም ምኽንያት ሓጢኣት ዝኾኑን፥ ገበርቲ ኽፉእን፥ ካብ መንግስቱ ኽኣርይዎም እዮም።
“ሕግን ነቢያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ፤ ካብ ሽዑ ናብዙይ ግና፥ መንግስቲ እግዚኣብሄር ትብሰር ኣላ፤ ኵሉ ድማ ይዳፍአላ ኣሎ።
ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመለሰ ድማ “እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፥ ካብ ኢድ ሄሮድስን፥ ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝፅበይዎ ዝነበሩ ዅሉን፥ ከም ዘድሓነኒ ሕዚ ብሓቂ ፈለጥኩ” በለ።
እግዚኣብሄር ግና ክርስቶስ መከራ ኽቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኵሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈፀሞ።
እዝ ወንጌል እዙይ፥ እግዚኣብሄር ብነቢያቱ፥ ብቅዱሳት መፃሕፍቲ ኣቐዲሙ ዘተስፈዎ እዩ።
እቶም መናፍስቲ ነቢያት ነቶም ነቢያት ይግዝእዎም እዮም እሞ።
ኣሕዋተይ፥ እቲ ዝብለኩም ዘለኹ እዙይ እዩ፤ እቲ ዘመን ሓፂር እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ከም ዘይብሎም ይንበሩ።
ጐይታና ኢየሱስ፥ ምስቶም ሓያላት መላእኽቱ፥ ብነበልባል ሓዊ ኻብ ሰማይ እንትመፅእ፥ መከራ ንትቕበሉ ንኣኻትኩም ግና፥ ምሳና ዕረፍቲ ኽህበኩም እዩ።
ኣብ ልዕሊዙይ ብስጋ ዝወለዱና ኣቦታት ዝቐፅዑና ኻብ ኮኑ፥ ንሕናውን እነኽብሮም ካብ ኮንና፥ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፥ ነቲ መንፈሳዊ ኣቦና ደኣ፥ ከመይ ኣብሊፅና ኽንእዘዞ ዘይግበአና!
ትንቢት፥ ቅዱሳን ሰባት እዮም፥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝተዛረብዎ እምበር፥ ፈፂሙ ብድሌት ሰብ ዝመፀ ኣይኮነን።
ብቕልጡፍ ክኸውን ዘለዎ፥ ንኣገልገልቱ ምእንቲ ኽገልፀሎም ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ንመልኣኹ ልኢኹ፥ ንኣገልጋሊኡ ዮሃንስ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀሉ ራእይ እዙይ እዩ።
“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”
ብድሕሪዙይ እቲ መልኣኽ፥ “ ‘እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ በጊዕ ዝተዓደሙ፥ ብፁኣን እዮም’ ኢልካ ፀሓፍ” በለኒ። ኣስዒቡ ኸዓ፥ “እዙይ ናይ ብሓቂ ቃል እግዚኣብሄር እዩ” በለኒ።
እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ “እንሆ፥ ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ” በለ። ቀፂሉ ድማ፥ “እዝ ቓል እዙይ፥ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ፀሓፎ” በለኒ።
ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ዝመልኡ፥ ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ “ነታ መርዓት፥ ሰበይቲ እቲ በጊዕ፥ ከርእየካስ ነዓ” በለኒ።
ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።
“ኣነ ኢየሱስ፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስክረልኩም ኢለ፥ መልኣኸይ ለኣኽኩ። ኣነ፥ ካብ ሱር ዳዊትን፥ ዘርኡን ዝኾንኩ እየ፤ እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ” በለ።
[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ እቲ ንቓላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕሉ ኸዓ፥ ብፁእ እዩ” በለኒ።
ድሕሪዙይ፥ እንሆ ኣብ ሰማይ፥ ክፉት ኣፍ ደገ ረአኹ። እቲ ኸም መለኸት ዝጥዕም፥ ቅድም ክዛረበኒ እንተሎ ዝሰማዕኽዎ ድምፂ ድማ፥ “ነቲ ብድሕሪ ሕዚ ክኸውን ዘለዎ ነገር ከርእየካስ፥ ነዓ ናብዙይ ደይብ” በለኒ።