5 እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።
ናይ ህይወት ፍልፍል ካባኻ እዩሞ፥ ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምሕረትን ሓቅን ይፈቱ፤ እግዚኣብሄር ሞገስን ክብርን ይህብ፤ ነቶም ብቕንዕና ዝኸዱ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ሰናይ ዝኾነ ኣይኸልኦምን።
ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኢየሩሳሌምን ክነግስ እዩ እሞ፥ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፥ ሽዑ ወርሒ ኽትሽቝረር፥ ፀሓይውን ክትሓፍር እያ።
በታ እግዚኣብሄር ንስብራት ህዝቡ ዝፅግነላ፥ ንቝስሊ መውቃዕቱ ዝፍውሰላ መዓልቲ፥ እቲ ብርሃን ወርሒ፥ ከም ብርሃን ፀሓይ ክኸውን፥ ብርሃን ፀሓይ ድማ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ከም ብርሃን ሸውዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።
እቶም ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ቅዱሳን ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽቕበልዋ እዮም፤ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም።
እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”
ሓደ መዓልቲ እውን ይኸውን፤ ንሱውን ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ ይኸውን፤ መዓልቲ ኣይኸውንን፤ ለይቲ እውን ኣይኸውንን፤ እንትመሲ ድማ ብርሃን ይኸውን።
ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።
ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ቅፅዓት፥ ፃድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።”
ሞት ብሰንኪ ሓጢኣት ሓደ ሰብ ካብ ነገሰ፥ እቶም ብዙሕ ፀጋ እግዚኣብሄርን፥ ውህብቶ ፅድቅን ዝረኸቡ ደኣ፥ በቲ ሓደ ሰብ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብ ህይወት ክንደይ ኣብሊፆም ዘይነግሱ!
እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፤ ኵሎም ኣህዛብውን፥ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም፤ ድሕሪ ደጊም ግና፥ ኣባኺ ናይ መብራህቲ ብርሃን ከቶ ኣይበርህን፤ ድሕሪ ደጊምስ፥ ኣባኺ ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከቶ ኣይስማዕን እዩ።”
ዙፋናትውን ረአኹ፤ ነቶም ኣብ ዙፋናት ዝተቐመጡ ኸዓ፥ ክፈርዱ ስልጣን ተውሃቦም። እዚኣቶም፥ እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ብምብሳሮምን፥ ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፥ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም፥ ማሕተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም፥ ህያዋን ኮይኖም፥ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።
ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ፥ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን፤ ግና ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ፥ ምስ ክርስቶስውን፥ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም።
ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’