2 ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ምርኣዩ ዘብህግ፥ ምብልዑ ኸዓ ጥዑም ዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን፥ እታ ኽፉእን ፅቡቕን እተፍልጥን ኦም ኣብቈለ።
ነቶም ልቦም ዝቘሰለውን ይፍውሶም፤ ንቝስሎምውን ይፅግን።
ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።
ቀፂሉ ኸዓ “ምእንቲ በዒንቶም ከይሪኡ፥ በእዛኖም ከዓ ኸይሰምዑ፥ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፥ ከይምለሱ እሞ ኸይሓውዩስ፥ ንልቢ እዝ ህዝቢ እዙይ ድፈኖ፤ ነእዛኖም ኣፅምመን፤ ነዒንቶምውን ኣዐምተን” በለኒ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ምስጋናይ ኢኻሞ ፈውሰኒ፥ ክፍወስ እየ፤ ኣድሕነኒ ኣነውን ክድሕን እየ።
ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤተ መቕደስ መለሰኒ፤ ገፅ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፥ እንሆ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት፥ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ፤ እቲ ማያት ከዓ ኻብ ታሕቲ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፥ ነታ መሰውኢ ድማ ብወገን ደቡባ ይወርድ ነበረ።
ቍጥዓይ ካብኣቶም ተመሊሱ እዩ እሞ፥ ኣነ ንዓመፃኦም ክፍውሶ እየ፤ ብፍቓደይውን ብልቢ ኽፈትዎም እየ።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ማይ ህይወት ካብ ኢየሩሳሌም ክውሕጅ እዩ፤ ፍርቁ ናብ ምስራቓዊ ባሕሪ፥ ፍርቁ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኽፈስስ እዩ። እዙይ ብሓጋይን ብኽረምትን ይኸውን።
ስመይ ንእትፈርሑ ነኣኻትኩም ግና፥ ፀሓይ ፅድቂ ኣብ ኣኽናፋ ፈውሲ ሒዛ ኽትወፅእ እያ። ንስኻትኩምውን ክትወፁ ኢኹም፤ ከም ዝሰብሐ ብተይውን ክትዕንድሩ ኢኹም።
“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከብስሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ፥ ንዕዉራት ምርኣይ፥ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸብስር፥
ንሓጢኣት ሞይትና፥ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፥ ንሱ ባዕሉ፥ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’
ኣብቲ ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኣዕናቝ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ፥ ካብ ሓደ ዕንቍ ዝተገብረ ነበረ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ፥ ከም መስትያት ብዘንፀባርቕ ፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐ ነበረ።
ኵሎም ህዝብታት፥ ብብርሃና ኽመላለሱ፥ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።
ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።
“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።
ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቃላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ እንተ ኣጕደለ፥ እግዚኣብሄር፥ ካብተን ኣብዝ መፅሓፍ እዙይ ተፅሒፈን ዘለዋ፥ ኦም ህይወትን፥ እታ ቕድስቲ ኸተማን፥ ዕድሉ ኸጕድለሉ እዩ።