1 ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።
ወሓዚ ሩባታት፥ ንኸተማ እግዚኣብሄር፥ ደስ የብላ፤ ልዑል ንመሕደሪኡ ቐደሰ።
ኣብቶም ዝባደሙ ዀረብታታት ውሕጅ፥ ዓይኒ ማያት ከዓ፥ ኣብ ማእኸል ስንጭሮታት ከውሕዝ እየ፤ ንምድረ በዳ፥ ማይ ዝመልኦ ቓላይ፥ ንምድሪ ኣፃምእ ኸዓ፥ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ።
ኣየ፥ ትእዛዛተይ ሰሚዕኻ እንተ እትኸውን ኔርኻ፥ ሰላምካ ኸም ወሓዚ ሩባ፥ ፅድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምኾነ ነይሩ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እንሆ ንሰላም፥ ከም ፈሳሲ ሩባ፥ ንናይ መንግስታት ሃብቲ ኸዓ፥ ከም ብርቱዕ ውሕጅ ከፍስሰላ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ኽትጠብዉ፥ ኣብ ማእገሮም ክስከሙኹም፥ ኣብ ኣብራኾም ከሰራስሩኹም እዮም።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ተስፋ፥ እቶም ሓዲጎሙኻ ዝኸዱ ዅሎም፥ ክሓፍሩ እዮም። እቶም ካባኻ ዝርሕቑ ንኣኻ ንእግዚኣብሄር፥ ንዘይነፅፍ ዓይኒ ማይ ህይወት ስለ ዝሓደጉ፥ ኣብ ምድሪ ኽፀሓፉ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ማይ ህይወት ካብ ኢየሩሳሌም ክውሕጅ እዩ፤ ፍርቁ ናብ ምስራቓዊ ባሕሪ፥ ፍርቁ ኸዓ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ ኣቢሉ ኽፈስስ እዩ። እዙይ ብሓጋይን ብኽረምትን ይኸውን።
እግዚኣብሄር ብእኡ ኻብ ከበረ፥ እግዚኣብሄር ከዓ ንእኡ ባዕሉ ከኽብሮ እዩ፤ ቀልጢፉውን ከኽብሮ እዩ።
እቲ ኣነ ኻብ ኣብ፥ ዝሰደልኩም መፀናንዒ፥ ኻብ ኣብ፥ ዝወፅእ መንፈስ ሓቂ ምስ መፀ ግና፥ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ።
ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፥ ንዘለኣለም ኣይፀምእን፤ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ፥ ኣብ ውሽጡ ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኾነሉ እዩ” በላ።
ሕዚ ድማ ኣብ የማን እግዚኣብሄር ብኽብሪ ምስ ተቐመጠ፥ ተስፋ መንፈስ ቅዱስውን፥ ካብ ኣብ ምስ ተቐበለ፥ ነዝ ንስኻትኩም እትሪእዎን እትሰምዕዎን ዘለኹም፥ ንሱ ኣፍሰሶ።
ብቕልጡፍ ክኸውን ዘለዎ፥ ንኣገልገልቱ ምእንቲ ኽገልፀሎም ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ንመልኣኹ ልኢኹ፥ ንኣገልጋሊኡ ዮሃንስ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀሉ ራእይ እዙይ እዩ።
ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።
ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ዝመልኡ፥ ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ “ነታ መርዓት፥ ሰበይቲ እቲ በጊዕ፥ ከርእየካስ ነዓ” በለኒ።
መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
ሽዑ እቲ መልኣኽ፥ ከምዙይ በለኒ፦ “እዘን ቃላት እዚኣተን፥ እሙናትን ሓቅን እየን። ጐይታ ኣምላኽ መናፍስቲ ነቢያት፥ ነቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግብኦ ነገር፥ ንኣገልገልቱ ኸርእዮም መልኣኹ ለኣኸ።”
ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’
እቶም ኣብ ሰማይን፥ ኣብ ምድርን፥ ኣብ ትሕቲ ምድርን፥ ኣብ ባሕርን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ዅሎም ፍጡራን ድማ፦ “ውዳሴን፥ ክብርን፥ ግርማን፥ ስልጣንን፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎን፥ ነቲ በጊዕን ይኹን” እንትብሉ ሰማዕኹ።
ኣብ ማእኸል እቲ ዙፋንን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ማእኸል እቶም ኣሕሉቕን፥ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል በጊዕ፥ ደው ኢሉ ረአኹ። ንሱ፥ ሸውዓተ ኣቕርንትን ሸውዓተ ኣዒንትን ኣለዉዎ፤ ንሳቶም ከዓ፥ እቶም ናብ ኵላ ምድሪ ዝተልኣኹ፥ ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።