Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 21:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 ካብቶም ናይ መወዳእታ ሸውዓተ መዓት ዝመልኡ፥ ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ “ነታ መርዓት፥ ሰበይቲ እቲ በጊዕ፥ ከርእየካስ ነዓ” በለኒ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 21:9
10 Referencias Cruzadas  

ብቕልጡፍ ክኸውን ዘለዎ፥ ንኣገልገልቱ ምእንቲ ኽገልፀሎም ኢሉ፥ እግዚኣብሄር ንመልኣኹ ልኢኹ፥ ንኣገልጋሊኡ ዮሃንስ፥ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገለፀሉ ራእይ እዙይ እዩ።


ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤


መርዓ እቲ በጊዕ በፂሑ፤ መርዓቱውን ተዳልያ ኣላ፤ ስለዙይ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፤ ንእኡ ድማ ኽብሪ ንሃቦ፤


ነቲ ቕፅራ ዓቀኖ፤ በቲ መልኣኽ ዝዕቅነሉ ዝነበረ እመት ሰብኣይ ድማ፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ኮነ።


እታ ቕድስቲ ኸተማ፥ እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም ዝተሸለመት መርዓት ተዳልያ፥ ካብ ሰማይ ካብ እግዚኣብሄር፥ ክትወርድ እንተላ ረአኽዋ።


ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።


መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።


ሽዑ እቲ መልኣኽ፥ ከምዙይ በለኒ፦ “እዘን ቃላት እዚኣተን፥ እሙናትን ሓቅን እየን። ጐይታ ኣምላኽ መናፍስቲ ነቢያት፥ ነቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግብኦ ነገር፥ ንኣገልገልቱ ኸርእዮም መልኣኹ ለኣኸ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos