7 እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ።
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
ኣነ ኣቦ ክኾኖ፥ ንሱ ድማ ወሉድ ክኾነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸዓ ኸምቲ ሰብ ዝቐፅዐሉ ጨንገርን ደቂ ሰብ ብዝቐፅዑሉን ክግስፆ እየ።
ንሱ ‘ኣቦይ፥ ኣምላኸይ፥ ኰዅሒ ምድሓነይ፥ ንስኻ ኢኻ’ ኽብለኒ እዩ።
ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፤ ሰነፋት ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።
ካብ ዘርኢ ያእቆብን ዘርኢ ይሁዳን ዝኾኑ፥ ንእምባታተይ ዝወርሱ ኸውፅእ እየ፤ እቶም ሕሩያተይ ክወርስዋ፥ እቶም ባሮተይ ከዓ ኣብኣተን ኽነብሩ እዮም።
ከምፅኦም እየ፤ ኣብ ማእኸል ኢየሩሳሌምውን ክነብሩ እዮም፤ ንሳቶም ህዝበይ ክኾኑ እዮም፤ ኣነውን ብሓቅን ብፅድቅን ኣምላኾም ክኸውን እየ።
ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ።
ጐይታኡ ድማ ‘ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ፅቡቕ ገበርካ! ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፤ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ!’ በሎ።
ሽዑ እቲ ንጉስ፥ ብየማኑ ንዘለዉ ‘ኣቱም ናይ ኣቦይ ቡሩኻት፥ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ዝተዳለወልኩም መንግስተ ሰማያት ክትወርሱ ንዑ።
ኢየሱስ ብመንገዲ እናኸደ እንተሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መፂኡ ሰገደሉ። “ኣታ ሕያዋይ መምህር፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክወርስስ እንታይ ክገብር?” ኢሉ ድማ ጠየቖ።
ኵሎም እቶም ብመንፈስ እግዚኣብሄር ዝምርሑ ንሳቶም ውሉድ እግዚኣብሄር እዮም እሞ።
ኵሉ ፍጥረት፥ ነቲ ምግላፅ ደቂ እግዚኣብሄር፥ ብሃረርታ ይፅበዮ ኣሎ።
መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።
ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣጓላትን ክትኮኑኒ ኢኹም’ይብል፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር” ተብሂሉ ኸም ዝተፅሓፈ እዩ።
እንሆ ድሕሪ እተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ምስ እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዙይ እዩ፦ ንሕግታተይ ኣብ ኣእምሮኦም ከእትዎ፥ ኣብ ልቦምውን ክፅሕፎ እየ፤ ኣነ ኣምላኾም ክኾኖም እየ፤ ንሳቶምውን ህዝበይ ክኾኑኒ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ክፉእ ክንዲ ኽፉእ፥ ፀርፊ ኽንዲ ፀርፊ ኣይትመልሱ፤ እኳ ደኣ፥ በረኸት ምእንቲ ኽትወርሱ መርቑ፤ ነዙይ ኢኹም ዝተፀዋዕኹም እሞ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’
ግዳ ኽሳዕ ዝመፅእ፥ ነቲ ዘለኩም ኣፅኒዕኹም ሓዝዎ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’
ካብቲ ዙፋን ድማ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ “ደጊም መሕደሪ እግዚኣብሄር ምስ ሰብ ኮነ፥ ምስኣቶምውን ክነብር እዩ። ንሳቶም ህዝቡ ክኾኑ እዮም፥ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምስኣቶም ክነብር፥ ኣምላኾምውን ክኸውን እዩ።
ምስ መኳንንቲ ህዝቡ ንኸቐምጦም፥ ዙፋን ክብሪውን ንኸውርሶም፥ ነቲ ድኻ ኻብ ሓመድ የተስኦ፤ ንምስኪንውን ካብ መሬት የልዕሎ፤ መሰረታት ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ንዓለም ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ ኣሎ።