4 እግዚኣብሄር ከዓ፥ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክሕብስ እዩ። እቲ ቐዳማይ ስርዓት ሓሊፉ እዩ፤ እንሆ ዅሉ ተሓዲሱ እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊም ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይህሉን እዩ” እንትብል ሰማዕኹ።
ሰብ ከንቱ ይመስል፤ መዓልትታቱ፥ ድማ ኸም ፅላሎት ይሓልፍ።
ንሞት ንዘለኣለም ክውሕጦ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንንብዓት ከዓ ኻብ ናይ ኵሉ ገፅ ክሕብሶ እዩ፤ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩሞ፥ ንውርደት ህዝቡ ኻብ ገፅ ኵላ ምድሪ ኸወግዶ እዩ።
ኣታ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ፅዮን እትነብር ህዝቢ! ኻብ ደጊም ኣይትበክን ኢኻ። ናብኡ ኽተእዊ እንተለኻ ኽርህርሀልካ እዩ፤ ምስ ሰምዐካውን ክምልሰልካ እዩ።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ እዮም፤ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክኣትዉ እዮም፤ ናይ ዘለኣለም ሓጐስ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ሓዘንን ትካዘን ክሃድም እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም።
እቶም እግዚኣብሄር ዝተቤዘዎም ክምለሱ፥ እናዘመሩ ናብ ፅዮን ክመፁ እዮም፤ ኣኽሊል ዘለኣለማዊ ደስታ ኸዓ፥ ኣብ ርእሶም ክኸውን እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፤ ሓዘንን ብኽያትንውን ካብኣቶም ክሃድም እዩ።
መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥ ክኸውን እየ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።
“እግዚኣብሄር ንኽብሩ ዝተኸሎም ኣእዋም ፅድቂ” ተብሂሎም ምእንቲ ኽፅውዑ ድማ፥ ንሕዙናት ፅዮን፥ ክንዲ ሓሙዅሽቲ፥ ኣኽሊል ኽደፍአሎም፥ ክንዲ ሓዘን ከዓ ዘይቲ ሓጐስ፥ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን፥ ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።
ሽዑ እታ ድንግል ብጐይላ ባህ ክብላ እዩ፤ ኣጓብዝን ኣረጋውያንንውን፥ ሓቢሮም ክሕጐሱ እዮም፤ ንሓዘኖም ናብ ሓጐስ ክልውጦ እየ፤ ከፀናንዖምውን እየ።
ካብ ኢድ ሲኦል ከናግፎም እየ። ካብ ሞትውን ክብዜዎም እየ፤ ኦ ሞት፥ መቕሰፍትኻ ኣበይ ኣሎ? ኦ ሲኦል፥ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ? ርህራሀ ኻብ ኣዒንተይ ተሰወረ።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
እቲ ኽሰዓር ዘለዎ ናይ መወዳእታ ፀላኢ ኸዓ፥ ሞት እዩ።
እቶም ብናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ፥ ብእኡ ኸም ዘይጥቀሙ ኾይኖም ይንበሩ፤ እዛ ዓለም እዚኣ፥ ሓላፊት እያ እሞ።
ስለዙይ ሓደኳ ብክርስቶስ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፥ እንሆ ዅሉ ሓድሽ ኮይኑ እዩ።
“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።
“ሓንሳእ ደጊመ” ዝብል ቃል ከዓ፥ እቲ ዝናወፅ ኵሉ ኸም ዝሓልፍ፥ እቲ ዘይናወፅ ድማ ፀኒዑ ኸም ዝነብር ከመልክት ኢሉ እዩ።
መዓልቲ ጐይታ ግና፥ ከም ሰራቒ ኾይና ኽትመፅእ እያ፤ ሽዑ ሰማያት በዓብዪ ድምፂ፥ ጥዋዕዋዕ እናበሉ ኽሓልፉ እዮም፤ ፍጥረት ሰማይውን፥ ብሓዊ ነዲዱ ኽመክኽ እዩ፤ ምድርን፥ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ነገርን፥ ክነድድ እዩ።
ዓለምን፥ እቲ ዅሉ ፍትወታን፥ ሓላፋይ እዩ፤ ፍቓድ እግዚኣብሄር ዝገብር ግና፥ ንዘለኣለም ይነብር።
ባሕሪ ድማ፥ ነቶም ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ምዉታን ሃበት። ሞትን ሲኦልንውን፥ ኣብኣቶም ዘለዉ ምዉታን ሃቡ። ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ከከም ግብሮም ተፈረዱ።
ሞትን ሲኦልንውን፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ፥ ተደርበዩ። እዝ ቓላይ ሓዊ፥ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።
ብድሕሪዙይ፥ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን፥ እታ ቐዳመይቲ ምድርን፥ ሓሊፎም እዮም እሞ፥ ባሕሪ እውን ደጊም ኣይህሉን።
ድሕሪ ደጊምስ መርገም፥ ከቶ ኣይህሉን እዩ። ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ዙፋን እቲ በጊዕን፥ ኣብኣ ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣገልገልቱውን ከምልኽዎ እዮም፤
እቲ ኣብ ማእኸል ዙፋን ዘሎ በጊዕ፥ ክጓስዮም እዩሞ፥ ናብ ዒላታት ማይ ህይወትውን፥ ክመርሖም እዩሞ፤ እግዚኣብሄርውን፥ ካብ ኣዒንቶም፥ ኵሉ ንብዓት ኽሕብሰሎም እዩ” በለኒ።