26 ኣህዛብውን፥ ክብሮምን ግርማኦምን ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።
ነገስታት ተርሴስን ደሴታትን ውህብቶ ኸምፅኡሉ እዮም፤ ነገስታት ሳባን ዓረብን ድማ ገፀ በረኸት ከቕርቡሉ እዮም።
ነገስታት ከም መዕበይቲ ኣቦታትኪ፥ እተጌታቶም ድማ መጕዚታትኪ ክኾኑ እዮም፤ ብግምባሮም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፥ በነንታ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸዓ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፥ ክትፈልጢ ኢኺ፤ እቶም ንኣይ ተኣማሚኖም ዝፅበዩኒ ድማ ኣይሓፍሩን።”
ሰባት ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኸምፅኡልኪ፥ ነገስታቶም ድማ ተዓጂቦም ክኣትዉኽስ፥ ደገታትኪ ዅልሻዕ ኽፉት ክኸውን እምበር፥ ለይትን መዓልትን ኣይዕፆን እዩ።
ፀባ ኣህዛብ ክትሰትዪ፥ ኣጥባት ነገስታት ከዓ ኽትጠብዊ ኢኺ፤ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፥ እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥ ተቤዛዊኺ ምዃነይ ክትፈልጢ ኢኺ።”
ኵሎም ህዝብታት፥ ብብርሃና ኽመላለሱ፥ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኸምፅኡ እዮም።