Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 21:25 - መፅሓፍ ቅዱስ

25 ኣብኣ ለይቲ ዝበሃል ስለ ዘየለ፥ ኣፍ ደጌታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይዕፀዉን እዮም።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 21:25
7 Referencias Cruzadas  

ሰባት ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኸምፅኡልኪ፥ ነገስታቶም ድማ ተዓጂቦም ክኣትዉኽስ፥ ደገታትኪ ዅልሻዕ ኽፉት ክኸውን እምበር፥ ለይትን መዓልትን ኣይዕፆን እዩ።


መዓልቲታት ሓዘንኪ ኽውድኣ እየን፤ ኣነ እግዚኣብሄርውን ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፥ ክኸውን እየ እሞ፥ ድሕሪ ሕዚ ፀሓይኪ ኣይዓርብን፤ ወርሕኺውን ኣይጐድልን።


ሓደ መዓልቲ እውን ይኸውን፤ ንሱውን ብእግዚኣብሄር ዝተፈልጠ ይኸውን፤ መዓልቲ ኣይኸውንን፤ ለይቲ እውን ኣይኸውንን፤ እንትመሲ ድማ ብርሃን ይኸውን።


ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ዘለዎ፥ ዓቢይን ነዊሕን ቅፅሪ ነበራ፤ ኣብቲ ኣፍ ደገታትውን፥ ዓሰርተ ኽልተ መላእኽቲ ነበሩ። ስም ናይቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ድማ፥ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ተፅሒፉ ነበረ።


እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ደገታታን ቅፅራን ዝዕቅነሉ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መዐቀኒ ዘንጊ ነበሮ።


እታ ኸተማ እቲኣ፥ ፀሓይ ወይ ወርሒ ኸብርሁላ ኣየድልያን፤ ክብሪ እግዚኣብሄር የብርሀላ፥ መብራህታውን፥ እቲ በጊዕ እዩ እሞ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos