Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 21:21 - መፅሓፍ ቅዱስ

21 ኣብቲ ዓሰርተ ኽልተ ኣፍ ደገ ኸዓ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኣዕናቝ ነበረ። ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ፥ ካብ ሓደ ዕንቍ ዝተገብረ ነበረ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ፥ ከም መስትያት ብዘንፀባርቕ ፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 21:21
10 Referencias Cruzadas  

እቲ ቅድስተ ቅዱሳን ከዓ ብውሽጡ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሑ ትሽዓተ ሜትር፥ ቁመቱውን ትሽዓተ ሜትር ነበረ፤ ብፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጦ፥ ነቲ መሰውኢ ድማ ብዝግባ ኸደኖ።


እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።


‘እዛ ሻሽን ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ቀይሕ ግምጃን ዝተኸድነት፥ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን ዝተሸለመት፥ ዓባይ ከተማ ወይለኣ! ወይለኣ!


እቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ መልኣኽ ከዓ፥ ነታ ኸተማን ነቲ ደገታታን ቅፅራን ዝዕቅነሉ፥ ብወርቂ ዝተሰርሐ መዐቀኒ ዘንጊ ነበሮ።


እቲ ቕፅራ ድማ፥ ብኢያሰጲድ ዝተነድቀ ነበረ፤ እታ ኸተማውን፥ ፅሩይ መስትያት ብዝመስል ብፅሩይ ወርቂ፥ ዝተሰርሐት ነበረት።


ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።


ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos