Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 21:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 ብኽብሪ እግዚኣብሄርውን፥ ተብርህ ነበረት። ምድማቕ ብርሃናውን፥ ከምቲ የመና ዝኸበረ እምኒ፥ ከም እምኒ ኢያሰጲድ፥ ከም ብርለ ዝፀረየ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 21:11
17 Referencias Cruzadas  

ወርቅን ብርጭቆን ኣይወዳደርዋን፤ በቕሓ ፅሩይ ወርቂውን ኣይትልወጥን።


እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኣ ዝእከቡን፥ ብመዓልቲ ደመናን ትክን፥ ብለይቲ ኸዓ ሃልሃል ዝብል ብርሃን ሓዊን ክፈጥር እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኽብሪ መጋረጃ ክኸውን እዩ።


ኣብ ልዕሊ ኣራእስ እቶም እንስሳ ኸዓ ኸም ግሩም ዝኾነ ክሪስታል፥ ጠፈር ሰማይ ዝመስል፥ ኣብ ላዕሊ፥ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ተዘርጊሑ ነበረ።


ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከዓ እምኒ ሰንፔር ዝመስል ምስሊ ዙፋን ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ዙፋን ዝመስል ድማ ምስሊ ሰብ ዝመስል ነበረ።


ብብዝሒ ንግድኻ ውሽጥኻ ብዓመፃ መልአ እሞ፥ ሓጢኣት ገበርካ፤ ስለዙይ ኣታ እተፅልል ኪሩብ፥ ካብቲ እምባ ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርበኹኻ፤ ካብ ማእኸል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸዓ ኣጥፋእኩኻ።


እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።


ዙርያኡ ዓሰርተ ሸሞንተ ሽሕ እመት እዩ፤ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸዓ፥ ስም እታ ኸተማ “እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ” ተብሂላ ኽትፅዋዕ እያ።


እታ መቕደስ ድማ፥ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ግርማን ሓይልን ዝተልዓለ፥ ብትኪ መልአት። ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ሸውዓቲአን መቕሰፍትታት ክሳዕ ዝውድኣ ኸዓ፥ ሓደኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።


ድሕሪዙይ፥ እቲ መልኣኽ፥ ካብ ዙፋን እግዚኣብሄርን፥ ካብ ዙፋን እቲ በጊዕን ዝወፅእ፥ ከም ብርለ ዝምፅራዩ፥ ፈለግ ማይ ህይወት ኣርኣየኒ።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።


እቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዝነበረ ኸዓ፥ ትርኢቱ ኽቡር እምኒ ኢያሰጲድን፥ ሰርዲኖንን ይመስል ነበረ። ነቲ ዙፋን ድማ፥ መረግድ ዝመስል ቀስተ ደመና ኸቢብዎ ነበረ።


ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ድማ፥ ዘንፀባርቕ መስትያት ዝመስል ባሕሪ ኣሎ። ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን፥ በብመኣዝኑ፥ ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም፥ ኣርባዕተ እንስሳ ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos