9 ኣብ ልዕሊ ሰፊሕ ምድሪ ወፂኦም፥ ንሰፈር እቶም ቅዱሳንን፥ ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ኸበቡ። ግና ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ።
እቲ ሓሽከር ኤልሳዕ ኣንጊሁ ተሲኡ ምስ ወፀ ኸዓ፥ እንሆ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢቦምዋ ነበሩ። ሽዑ ንኤልሳዕ “ኣየ ጐይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና?” በሎ።
ስፍሓት ምድሪኸ! ትፈልጦ ዲኻ? እዝ ዅሉ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ተዛረብ።
ኣብ ማሕበሮምውን ሓዊ ነደደ፤ ነበልባል ንሓጥኣን ኣቃፀሎም።
እግዚኣብሄር ካብ ድንኳናት ያእቆብ፥ ንበርታት ፅዮን ይፈትወን እዩ።
ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፤ ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ፀላእቱ የንድዶም።
ቶፌት ዝተብሃለ መቃፀሊ ቦታ፥ ካብ ቀደም ጀሚሩ ተዳልዩ ኣሎ፤ ነቲ ንጉስውን ተዳልዩ ኣሎ፤ ንሱ ዓሚቝን ሰፊሕን ገይርዎ ኣሎ፤ ኣብኡ ኸዓ ሓዊን ብዙሕ ዕንፀይትን ተዀሚሩ ኣሎ። ናይ እግዚኣብሄር እስትንፋስውን ከም ፈሳሲ ዲን ከቃፅሎ እዩ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ኣሶራውያን ከይዱ፥ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ። ንፅባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተስኡ፤ እንሆ ኣብ ኵሉ፥ ሬሳታት ፀንሕዎም።
ነታ ምድሪ ኸም ደመና ምእንቲ ኽትከድና፥ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ክኸውን እዩ፤ እቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ ክፈልጡንስ፥ ናብ ምድረይ ከደይበካ እየ።”
ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ፤ ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን፥ ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ኣህዛብን፥ ዝናም መሾምበባን በረድን ሓዊን ዲንን ከዝንም እየ።
ንስኻ ኽትድይብ፥ ከም ህቦብላ ንፋስ ከዓ ኽትመፅእ ኢኻ፤ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን፥ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን፥ ከምቲ ንምድሪ ዝጕልብብ ደመና ኽትከውን ኢኻ።”
ኣብ ማጎግን፥ ናብቶም ኣብ ደሴታት ሃዲኦም ዝነብሩ ዘለዉን፥ ሓዊ ኽሰድድ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከዓ ኽፈልጡ እዮም።
እቲ ሰባሪ ወፂኡ ቀቅድሚኣቶም ይኸይድ፤ ንሳቶምውን ሰይሮም ናብቲ በሪ ይሓልፉ፤ ብእኡውን ይወፁ። እግዚኣብሄር እናመርሖም ንጉሶም ቀቅድሚኣቶም ክኸይድ እዩ።”
እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።
እቶም ህዝቢ ክፉኣት ኮይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣጕረምረሙ። እግዚኣብሄር ሰሚዑ ድማ ተቘጥዐ፤ ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸሎም ነደደ፤ ነቲ ወሰን ሰፈር ድማ በልዐ።
ካብ እግዚኣብሄር ከዓ ሓዊ ወፀ፤ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
በታ ሎጥ ካብ ሰዶም ዝወፀላ መዓልቲ ድማ፥ ካብ ሰማይ ሓዊን ዲንን ዘኒሙ፥ ንዅሎም ኣጥፍኦም።
ፀላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ሓፁር ሓፂሮም፥ ከቢቦም በዙይን በቱይን፥ ንኣኺ ዘጨንቑሉ መዓልቲ ኽመፅእ እዩ።
“ኢየሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኢኹም፥ ሽዑ ዕንወታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ።
ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ነዙይ ምስ ረአዩ “ጐይታ! ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንእዝዝዶ ትፈቕደልና ኢኻ?” በልዎ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፥ ምእንቲ ኸድሕነኩምን ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ክህበኩምን፥ ብማእኸል ሰፈርኩም ክሓልፍ እዩ እሞ፥ ዝኾነ ዘሕፍር ነገር ከይሪአልኩም፥ ገፁ ኸዓ ኻባኻትኩም ከይመልስ፥ እቲ ሰፈርኩም ቅዱስ ይኹን።
ነቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጥዎን፥ ነቶም ንወንጌል ጐይታና ኢየሱስ ዘይእዘዝዎን፥ ሕነ ኽፈድዮም እዩ።
እምበኣር ንሕናውን፥ ንሱ ዝተቐበሎ ውርደት ፆይርና፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር፥ ናብቲ ኢየሱስ ዘለዎ ንኺድ።
ሓደኳ ኽጐድኦም እንተ ደለየ፥ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወፅእ እሞ፥ ንፀላእቶም የቃፅሎም። እቲ ኽጐድኦም ዝደሊ፥ ብኸምዙይ ክቕተል እዩ።
እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኣብ ቅድሚ ሰብ፥ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ፥ ሓዊ ኽሳዕ ዘውርድ፥ ዓበይቲ ምልክታት ገበረ።