7 እተን ሽሕ ዓመታት ምስ ተፈፀማ ኸዓ፥ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ እዩ።
እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።
እቶም ነዛ ሰዓት እዚኣን፥ ነዛ መዓልቲ እዚኣን፥ ነዛ ወርሒ እዚኣን፥ ነዛ ዓመት እዚኣን፥ ዝተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ሲሶ ደቂ ሰብ ክቐትሉ ተፈትሑ።