5 እቶም ዝተረፉ ምዉታን ግና፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ ኣይትስኡን። እዙይ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።
ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ኣብ ትንሳኤ ሙታን ክበፅሕ እንተ ኸኣልኩ ኢለ እየ።
ጐይታ ባዕሉ ብብርቱዕ ቃል ትእዛዝን፥ ብድምፂ ሊቀ መላእኽትን፥ ብመለኸት እግዚኣብሄርን፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ። እቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ዝሞቱ ኸዓ፥ ቀዲሞም ክትስኡ እዮም።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።