Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 20:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ዙፋናትውን ረአኹ፤ ነቶም ኣብ ዙፋናት ዝተቐመጡ ኸዓ፥ ክፈርዱ ስልጣን ተውሃቦም። እዚኣቶም፥ እቶም ንኢየሱስ ብምምስካሮምን፥ ንቓል እግዚኣብሄር ብምብሳሮምን፥ ዝተሰየፉ እዮም። እዚኣቶም፥ ነቲ ኣራዊት ኮነ ንምስሉ ዘይሰገዱ፥ ኣብ ግምባሮም ኮነ ኣብ ኣእዳዎም፥ ማሕተሙ ዘይተቐበሉ እዮም። ንሳቶም፥ ህያዋን ኮይኖም፥ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 20:4
40 Referencias Cruzadas  

ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።


እቶም ናይ ልዑል እግዚኣብሄር ቅዱሳን ድማ፥ ነታ መንግስቲ ኽቕበልዋ እዮም፤ ነታ መንግስቲ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም።


እዙይ ዝኸውን፥ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ክሳዕ ዝመፅእ፥ ፍርዲ ኸዓ ነቶም ቅዱሳን እቲ ልዑልውን፥ ኣምላኽ ከዓ ኽሳዕ ዝህብ፥ ቅዱሳን እቲ ልዑል መንግስቲ ዝወርሱላ ጊዜ ኽሳዕ እትበፅሕ ነበረ።


እቲ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን፥ ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ንቅዱሳን ህዝቢ እቲ ልዑል ክወሃብ እዩ፤ መንግስቱ፥ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፤ ኵሎም ገዛእቲ ኸገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።”


ዙፋናት ክሳዕ ዝዝርግሓ ድማ ጠመትኩ፤ እቲ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ዝነብር ከዓ፥ ኣብ ልዕሊኣቶም ተቐመጠ። ክዳውንቱ ፃዕዳ ኸም በረድ፥ ፀጕሪ ርእሱ ኸዓ ኸም ፅሩይ ፀምሪ ነበረ። ዙፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፥ መንኰራዅሩ ድማ ኸም ጕሁር ሓዊ ነበረ።


“እንሆ፥ እታ ዓባይን እተፍርሕን መዓልቲ እግዚኣብሄር እንተይመፀት፥ ንነቢይ ኤልያስ ክልእኸልኩም እየ።


ኢየሱስ ድማ “ኣቱም ዝተኸተልኩምኒ፥ ብሓድሽ ልደት፥ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዙፋን ክብሩ ዝቕመጠላ እዋን፥ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተ ኽልተ ዙፋናት ተቐሚጥኩም፥ ንዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።


ሽዑ ብዙሓት እምነቶም ብምኽሓድ፥ ንስንሳቶም ኣሕሊፎም ክወሃሃቡን ክፃልኡን እዮም።


ሄሮድስ ግና ነዙይ ምስ ሰምዐ “እዙይ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፤ ንሱ ኻብ ምዉታን ተሲኡ እዩ” በለ።


ሽዑ እቲ ንጉስ ሓደ ወታደር ልኢኹ፥ ርእሲ ዮሃንስ ከምፅእ ኣዘዘ፤ ንሱ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሲ ዮሃንስ ሰየፈ።


ንሳቶም ከዓ “ስለ ምንታይ ደኣ መምህራን ሕጊ ‘ቅድም ኤልያስ ክመፅእ ኣለዎ’ ዝብሉ?” ኢሎም ጠየቕዎ።


ንሱ ንእግዚኣብሄር ብቑዕ ህዝቢ ምእንቲ ኸዳሉ፥ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፥ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ፃድቃን ምእንቲ ኽመልስ፥ ብመንፈስን ብሓይሊ ኤልያስን ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።”


ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብፁእ ክትከውን፥ ብትንሳኤ ፃድቃንውን ክትፍደዮ ኢኻ” በሎ።


ደጊም ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ፥ ዓለም ኣይሪአንን እዩ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ክትሪኡኒ ኢኹም፤ ከምቲ ኣነ ህያው ዝኾንኩ፥ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኮኑ ኢኹም።


እግዚኣብሄር ንእስራኤላውያን ምስ ገደፎም፥ ንዓለም ዕርቂ ኻብ ኣምፅአላ፥ ምስ ተቐበሎም ግዳ፥ ካብ ሞት ናብ ህይወት ምምላስ እንተ ዘይኮይኑ፥ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል?


እምበኣር ውሉድ እግዚኣብሄር ካብ ኮንና፥ ወረስቲ እግዚኣብሄር ኢና፤ ንእግዚኣብሄር ወረስቱ ኻብ ኮንና ኸዓ፥ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ መከራ እንተ ተቐቢልና፥ ምስኡውን ክንከብር ኢና።


እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።


ዮሃንስ ከዓ፥ ስለ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመሃሮ ሓቅን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዝረአዮ ነገር መስከረ።


ኣነ፥ ኣብቲ ብኢየሱስ ዝረኸብናዮ መንግስቲ መዋርስትኹም፥ ኣብ መከራኹምን ብትዕግስቲ ምፅናዕኹምን፥ መኻፍልትኹም ዝኾንኩ ሓውኩም ዮሃንስ፥ ምእንቲ ቃል እግዚኣብሄርን፥ ምእንቲ ምስክር ኢየሱስን፥ ኣብታ ፍጥሞ እትበሃል ደሴት እንተለኹ፥


ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ድማ፥ ናይ ህይወት እስትንፋስ፥ ካብ እግዚኣብሄር ናብኣቶም ኣተወ። በእጋሮምውን ቆሙ፤ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝረአይዎም ከዓ፥ ብርቱዕ ፍርሓት ሓደረ።


እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።


ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።


ምስክርነቶም ምስ ፈፀሙ ድማ፥ እቲ ኻብ መዓሙቕ ዝወፅእ ኣራዊት፥ ክዋግኦምን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ።


ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።


ትኪ ናይቲ ዘሳቕዮም ሓዊ፥ ንዘለኣለመ ኣለም፥ ንላዕሊ ኣቢሉ ይወፅእ። እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰገዱ፥ እቶም ማሕተም ስሙ ዝተቐበሉ፥ ለይትን መዓልትን፥ ዕረፍቲ የብሎምን።”


ድሕሪዙይ ብርለ ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱውን ምስ ሓዊ ዝተሓዋወሰ እዩ። እቶም፥ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን፥ ነቲ መፀውዒኡ ዝኾነ ቝፅርን ዝሰዓሩ፥ ናይ እግዚኣብሄር በገናታት ሒዞም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት፥ ደው ኢሎም ረአኹ።


እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።


ነቲ ዝስዕርን፥ ነቲ ኽሳዕ መወዳእታ ትእዛዘይ ዝሕሉን፥ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ ዝተቐበልክዎ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ፥ ስልጣን ክህቦ እየ፤ ንሱ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ፤ ከም ኣቕሓ መሬት ከዓ፥ ክሰባብሮም እዩ።


ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ፥ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን፤ ግና ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ፥ ምስ ክርስቶስውን፥ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሀሎም እዩ እሞ፥ ድሕሪ ደጊምስ ለይቲ ኣይኸውንን፤ ብርሃን ቀንዲልን ብርሃን ፀሓይንውን ኣየድልዮምን እዩ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን፥ ክነግሱ እዮም።


ከምቲ ኣነ ዝሰዓርኩ እሞ፥ ምስ ኣቦይ ኣብ ዙፋኑ ዝተቐመጥኩ፥ ነቲ ዝስዕርውን፥ ኣብ ዙፋነይ ምሳይ ክቕመጥ፥ ክፈቕደሉ እየ።’


ኣብ ዙርያ እቲ ዙፋን ከዓ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ዙፋናት ረአኹ። ኣብተን ዙፋናትውን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ፥ ኣብ ኣራእሶም ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ፥ ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕ፥ ተቐሚጦም ረአኹ።


ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፥ ነፍሳት እቶም ምእንቲ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ስለ እቲ ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝተሓረዱ፥ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረአኹ።


“ነቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽና፥ ኣብ ገግምባሮም ማሕተም ክሳዕ እንገብረሎም፥ ንምድሪ ወይ ንባሕሪ ወይ ነእዋም፥ ኣይትጕድእዎም” በሎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos