3 ድሕሪዙይ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉ፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ፥ ናብቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበዮ። ዓፅዩ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኡ ማሕተም ገበረሉ። ድሕሪዙይ ንቑሩብ ጊዜ ኽፍታሕ ኣለዎ።
ሽሕ ዓመት ኣብ ቅድሜኻ፥ ከም እዛ ትማሊ ዝሓለፈት መዓልትን፥ ከም ምንቃሕ ለይትን እየን።
ሓደ እምኒ ኣምፂኦም ከዓ፥ ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዓፀውዎ። እቲ ንጉስ ድማ፥ እቲ ኣብ ልዕሊ ዳንኤል ዝተፈፀመ ኸይልወጥ፥ ብማሕተሙን ብማሕተም መኳንንቱን ሓተሞ።
ሓሰውቲ መሲሓትን ሓሰውቲ ነቢያትን ክለዓሉ እዮም፤ እንተ ተኽኢልዎምስ፥ ነቶም ሕሩያት እንተይተረፈ እኳ ንምስሓት፥ ዓብዪ ምልክታትን ዘደንቕ ነገራትን ከርእዩ እዮም።
ንሳቶም ድማ ኸይዶም፥ ነቲ ናይ መቓብር እምኒ ብማሕተም ሓቲሞም፥ ነቲ መቓብር ብወታደራት ኣፅኒዖም ኣሐለውዎ።
ገሊኣቶም ሰባት፥ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ።
ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
ግና ኸምቲ ተመን ብጕርሑ ንሔዋን ዘስሓታ፥ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም፥ ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም፥ ቅኑዕን ንፁህን ፍቕሪ፥ ከይትርሕቑ እፈርሕ ኣለኹ።
ግና ኣቱም ፍቑራተይ፥ ብእግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፥ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃና፥ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትረስዑ።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ “ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ፥ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ምስሊ ግበሩሉ” እናበለ፥ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዳማይ ኣራዊት፥ ክገብሮ ዝተውሃቦ ምልክታት፥ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ የስሕቶም ነበረ።
ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዘሩ፤ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፥ ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኸሩ” በለኒ።
እቲ ዝረአኻዮ ኣራዊት ቅድም ነይሩ፤ ሕዚ የለን፤ ግና ኻብ ዓሚቝ ጕድጓድ ክወፅእ፥ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ፥ ስሞም ኣብ መፅሓፍ ህይወት ዘይተፅሓፈ፥ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፥ እቲ ኣራዊት፥ ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመፅእን ምስ ረአዩ፥ ክግረሙ እዮም።
ሽዑ ሓደ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ንሱ መኽፈቲ ናይቲ ዓሚቝ ጕድጓድን፥ ገዚፍ መቑሕን፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ።