2 እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ።
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ሰይጣን ድማ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ መፃእኹ” ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ።
ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም።
በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ዓቢይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፥ ነቲ ቕልጡፍ ተመን ንሌዋታን፥ ነቲ ዝጠዋወ ተመን ንሌዋታን ክቐፅዖ፥ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከዓ ኽቐትሎ እዩ።
ድሕሪዙይ ሽሕ እመት ኣመተ፤ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሕጅ ኮይኑ እዩ እሞ፥ ኣነ ኽሳገሮ ዘይከኣለኒ ውሕጅ ኮነ።
ኵሉ ስለ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፥ ኣሕዋት፥ ኣሓት፥ ኣቦ፥ እኖ፥ ሰበይቲ፥ ውሉድ፥ ገራሁ ዝሓደገ፥ ሚእቲ ዕፅፊ ኽረክብ እዩ፤ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ።
እንሆ ኸዓ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ጊዜኡ እንተይበፅሐዶ ኽተሳቕየና ናብዙይ መፂእኻ?” እናበሉ ዓው ኢሎም ኣእወዩ።
ገሊኣቶም ሰባት፥ ነቲ ኣብ ወሰን መንገዲ ዝተዘርአ እዮም ዝመስሉ፤ ምስ ሰምዑ፥ ሽዑ ንሽዑ ሰይጣን መፂኡ ነቲ ኣብ ልቦም ዝተዘርአ ቓል ይወስዶ።
“ኦ ኢየሱስ ወዲ ልዑል እግዚኣብሄር! ንስኻ ምሳይ እንታይ ኣለካ? ከይተሳቕየኒ ብእግዚኣብሄር ኣማሕፅነካ ኣለኹ!” እናበለ ብዓብዪ ድምፂ ኣእወየ።
እዝ ዓለም እዙይ ዝፍረደሉ ጊዜ በፂሑ እዩ፤ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይውን፥ ናብ ወፃኢ ዝድርበየሉ ሕዚ እዩ።
ብዛዕባ ፍርዲ ኸዓ፥ ገዛኢ እዝ ዓለም እዙይ ስለ ዝተፈረዶ እዩ።
ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።
እቶም ውሉድ፥ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ስለ ዝኾኑ፥ ኢየሱስውን ከምኣቶም ሰብ ኮነ፥ እዙይ ከዓ ብሞቱ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ስልጣን ንዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ኽስዕሮ፥
እቲ መፃርርትኹም ዲያብሎስ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ፥ ብመጠን ንበሩ፤ ንቕሑውን።
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።
ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።
ሽዑ እቲ ገበል፥ ናብ ምድሪ ኸም ዝተደርበየ ምስ ረአየ፥ ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ።
እቲ ገበል ድማ፥ ኣጋፊዑ ምእንቲ ኽወስዳ፥ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ፥ ውሕጅ ዝመስል ማይ ካብ ኣፉ ኣፍሰሰ።
እቲ ገበል ኣብ ልዕሊ እታ ሰበይቲ ተቘጥዐ፤ ምስቶም ዝተረፉ ዘርኣ ድማ፥ ክዋጋእ ኸደ፤ ንሳቶም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝሕልዉን፥ ናይ ኢየሱስ ምስክርነት ኣጥቢቖም ዝሓዙን እዮም።
ካልእ ምልክት ከዓ፥ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ እንሆ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ፥ ኣብቲ ኣራእሱውን ሸውዓተ ዘውዲ ዝደፍአ፥ ሓደ ዓብዪ ቐይሕ ገበል ተርኣየ።
ብጭራኡ ድማ፥ ሲሶ ኸዋኽብቲ፥ ካብ ሰማይ ስሒቡ፥ ናብ ምድሪ ደርበየ። እቲ ገበል፥ ሽዑ ምስ ወለደት፥ ነቲ ህፃን ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፥ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።
እቲ ንዅላ ዓለም ዘስሓታ ዓብዪ ገበል፥ ተደርበየ፤ ንሱ እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ፤ ናብ ምድሪ ተደርበየ፤ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ።
እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።
ንሳቶም ከዓ፥ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፥ ነቲ ገበል ሰገዱሉ። ነቲ ኣራዊትውን፥ “ነዝ ኣራዊት እዙይ፥ መን ይመስሎ? መንከ ኽዋግኦ ይኽእል?” እናበሉ ሰገዱሉ።
እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።
እተን ሽሕ ዓመታት ምስ ተፈፀማ ኸዓ፥ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ እዩ።
ንጉስ ኣለዎም፤ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፤ ስሙ ብዕብራይስጢ ኣብዶን፥ ብግሪክ ከዓ ኣጶልዮን ይበሃል።