11 ድሕሪዙይ ዓብዪ ፃዕዳ ዙፋንን፥ ነቲ ኣብኡ ዝተቐመጠን ረአኹ፤ ሰማይን ምድርን፥ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፤ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን።
ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ።
ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውፃ፤ ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ።
ንሳቶም ክጠፍኡ እዮም፤ ንስኻ ግና ትነብር፤ ኵሎም ከም ክዳን ክበልዩ እዮም፤ ከም መጐናፀፍያ ክትልውጦም ኢኻ፤ ክልወጡውን እዮም።
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ነገሰ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ዙፋን ቅድስናኡ ይቕመጥ።
መሰረት ዙፋንካ ፅድቅን ፍትሕን እዩ፤ ምሕረትን ሓቅን ቀቅድሜኻ ይኸዱ።
ደመናን ጣቓን ኣብ ዙርያኡ እዮም፤ ፅድቅን ፍትሕን ናይ ዙፋኑ መሰረት እዮም።
በታ ንጉስ ኦዝያን ዝሞተላ ዓመት፥ ንእግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን፥ ልዕል ኣብ ዝበለ ዙፋንን ተቐሚጡ ረአኽዎ፤ ዘፈር ልብሱ ኸዓ ነቲ ቤተ መቕደስ መሊእዎ ነበረ።
ሽዑ እቲ ሓፂንን መሬትን ነሃስን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተሓምሸሸ፤ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ድማ ኾነ፤ ኣሰሩ ኽሳዕ ዝጠፍእውን ንፋስ ወሰዶ። ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ እምባ ኾነ፤ ንዅላ ምድሪ እውን መልኣ።
ውሕጅ ሓዊ ኻብ ቅድሚኡ ይውሕዝ ነበረ። ሽሕ ጊዜ ሽሕ የገልግልዎ፤ እልፍ ኣእላፋት ከዓ ኣብ ቅድሚኡ ቖይሞም ነበሩ፤ ፍርዲ ተጀመረ፤ መፃሕፍትውን ተገለፁ።
ብመዓልቲ ፍርዲ ግና፥ ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐለለን፥ እነግረክን ኣለኹ።
ሰማይን ምድርን ይሓልፍ፤ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን።”
“ወዲ ሰብ ምስ ኵሎም ቅዱሳን መላእኽቱ፥ ብኽብሩ ኣብ ዝመፀሉ ጊዜ፥ ሽዑ ኣብ ዙፋን ክብሩ ኽቕመጥ እዩ።
ግና ብትረት ልብኻን ብዘይምንሳህኻን፥ በታ ቕኑዕ ፍርዲ እግዚኣብሄር ዝወርደላ መዓልቲ ቝጥዓ፥ ንባዕልኻ መቕሰፍቲ ትእክብ ኣለኻ።
እቶም ሕዚ ዘለዉ ሰማያትን ምድርን ግና፥ እቶም ንግዚኣብሔር ዘይፈርሑ ሰባት፥ ተፈሪድዎም ክሳዕ ዝጠፍኡ፥ ብቓሉ ተሓልዮም፥ ንሓዊ ተዓቝሮም ኣለዉ።
እንተ ኾነ፥ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተስዓሩ፤ እቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦታኣቶምውን ሰኣኑ።
ኵለን ደሴታት ጠፍኣ፤ እምባታትውን ኣይተረኽቡን።
ሽዑ ሰማይ ተኸፊቱ ረአኹ። ኣብኡ ኸዓ፥ ፃዕዳ ፈረስ ነበረ፤ እቲ ዝተቐመጦ ኸዓ፥ እሙንን ሓቀኛን ይበሃል፤ ብፅድቅውን፥ ይፈርድን ይዋጋእን እዩ።
እቲ መልኣኽ ነቲ ገበል ሓዞ፤ ንሱውን እቲ ዲያብሎስ ወይ ሰይጣን ዝበሃል፥ ናይ ጥንቲ ተመን እዩ። ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።
ብድሕሪዙይ፥ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረአኹ። እቲ ቐዳማይ ሰማይን፥ እታ ቐዳመይቲ ምድርን፥ ሓሊፎም እዮም እሞ፥ ባሕሪ እውን ደጊም ኣይህሉን።
እቲ ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ፥ “እንሆ፥ ኣነ ንዅሉ ሓድሽ ክገብሮ እየ” በለ። ቀፂሉ ድማ፥ “እዝ ቓል እዙይ፥ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ ፀሓፎ” በለኒ።
ሽዑ ንሽዑ ኸዓ፥ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፤ እንሆ ድማ ኣብ ሰማይ ዙፋን ተዘርጊሑ፥ ኣብቲ ዙፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።
ሰማይውን፥ ከም ብራና ተጠቕሊሉ ሓለፈ። ኵሎም እምባታትን ደሴታትን፥ ካብ ሰስፍራኦም ተወገዱ።