10 እቲ ዘስሕቶም ዝነበረ ዲያብሎስ ከዓ፥ ናብቲ እቲ ኣራዊትን፥ እቲ ሓሳዊ ነቢይን ዝተደርበይዎ፥ ቃላይ ሓዊን ዲንን፥ ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከዓ፥ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።
ሽዑ ኣነ፥ እቲ ንእሽተይ ቀርኒ ብዛዕባ ዝተዛረቦ ድምፂ ዓብዪ ቓል ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተልን፥ ስጋኡ ኣብ ሓዊ ኽሳዕ ዝድርበን ጠመትኩ።
“ብድሕሪዙይ ኣብ ፀጋሙ ንዘለዉ ‘ኣቱም ርጉማን፥ ካባይ ረሓቑ፤ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን ዝተዳለወ፥ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኺዱ፤
ሽዑ ንሳቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ቅፅዓት፥ ፃድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።”
“ውሽጣቶም መንጠልቲ ተዃሉ እናሃለዉ፥ ኣባጊዕ መሲሎም ካብ ዝመፁኹም ሓሰውቲ ነቢያት ተጠንቀቑ።
ብድሕሪዙይ፥ ጭንቍራዕ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ፥ ካብ ኣፍ እቲ ገበልን፥ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን፥ ካብ ኣፍ እቲ ሓሳዊ ነቢይን፥ ክወፁ እንተለዉ ረአኹ።
እቲ ኣራዊት ተትሓዘ፤ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዝተቐበሉን፥ ንምስሉ ዝሰገዱን፥ ዘስሕቶም ተኣምራት ኣብ ቅድሚኡ ዝገብር ዝነበረ ሓሳዊ ነቢይውን፥ ምስኡ ተትሓዘ፤ ክልቲኦምውን ብህይወቶም እንተለዉ፥ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቃላይ ሓዊ ተደርበዩ።
ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ንዝነብሩ ኣህዛብ፥ ከስሕቶም፥ ንጎግን ንማጎግንውን፥ ንውግእ ምእንቲ ኽእክቦም ክወፅእ እዩ። ቍፅሮም ድማ፥ ከም ሑፃ ባሕሪ እዩ።
ብራእይ ድማ፥ ነቶም ኣፍራስን፥ ነቶም ተቐሚጦምዎም ዝነበሩን ረአኽዎም፤ ድርዖም ከዓ፥ ከም ሓዊ ቐይሕ፥ ከም ያክንት ሰማያዊ፥ ከም ዲን ድማ፥ ብጫ ዝመስል ነበረ። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ፥ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል ነበረ። ካብ ኣፎምውን፥ ሓዊን ትክን ዲንን ይወፅእ ነበረ።