1 ሽዑ ሓደ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ንሱ መኽፈቲ ናይቲ ዓሚቝ ጕድጓድን፥ ገዚፍ መቑሕን፥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ነበረ።
ናብ መዓሙቕ ሲኦል ክኣትዉ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ።
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ፥ ኣብ ፀልማት ጕድጓድ ፍርዶም ክፅበዩ፥ ናብ ገሃነም ደርበዮም እምበር፥ ኣይራህርሀሎምን።
ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ፥ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፥ በታ ዓባይ መዓልቲ ምእንቲ ኽፍረዱ፥ ብናይ ዘለኣለም መቝሕ፥ ኣብ ፀልማት ኣሲሩ ኣፅኒሕዎም ኣሎ።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።
ድሕሪዙይ ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ፥ ደመና ተወንዚፉ፥ ካብ ሰማይ ክወርድ እንተሎ ረአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸዓ፥ ቀስተ ደመና ነበረ፤ ገፁ ድማ ኸም ፀሓይ ብሩህ ነበረ፤ ኣእጋሩውን፥ ከም ኣዕማድ ሓዊ ነበራ።
ድሕሪዙይ፥ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ፥ ካብ ሰማይ እንትወርድ ረአኹ። ብናይ ክብሩ ነፀብራቕውን፥ ምድሪ በርሀት።
ድሕሪዙይ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉ፥ እተን ሽሕ ዓመታት ክሳዕ ዝፍፀማ፥ ናብቲ ዓሚቝ ጕድጓድ ደርበዮ። ዓፅዩ ድማ፥ ኣብ ልዕሊኡ ማሕተም ገበረሉ። ድሕሪዙይ ንቑሩብ ጊዜ ኽፍታሕ ኣለዎ።