8 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ንጉስ እስራኤልን፥ ቤዛኡ ዝኾነ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ቀዳማይን ዳሕረዋይን ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ካልእ ኣምላኽ የለን።
ኣታ ያእቆብ፥ ዝፀዋዕኹኻ ንስኻ፥ እስራኤልውን ስምዐኒ፤ እግዚኣብሄር ኣነስ ኣነ እየ፤ ቀዳማይ ኣነ እየ፤ ዳሕረዋይውን ኣነ እየ።
ስለዙይ ከዓ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታንን ህያዋንን፥ ምእንቲ ክኸውን ኢሉ እዩ፥ ዝሞተን ካብ ሞት ዝተስአን።
“ነዝ እትሪኦ ዘለኻ፥ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፍካ፥ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ዘለዋ፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ስደዶ” ድማ በለኒ።
እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦
ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ መጀመርታን መወዳእታን፥ ኣነ እየ።”