Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 2:7 - መፅሓፍ ቅዱስ

7 “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 2:7
36 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከዓ ምርኣዩ ዘብህግ፥ ምብልዑ ኸዓ ጥዑም ዝኾነ ዅሉ ዓይነት ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ። ኣብ ማእኸል ገነት ከዓ እታ ህይወት እትህብን፥ እታ ኽፉእን ፅቡቕን እተፍልጥን ኦም ኣብቈለ።


ፍረ ፃድቕ ኦም ህይወት እያ፤ ንነፍሳት ዝእክብውን ንሱ ጠቢብ እዩ።


ዝደንጐየ ተስፋ ንልቢ የሕዝኖ፤ ዝተፈፀመ ትምኒት ግና ኦም ህይወት እዩ።


ልዝብቲ ኣንደበት ኦም ህይወት እያ፤ ቀይናን ኣንደበት ግና መንፈስ ትሰብር።


ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።


ንስኻ ኣብ ኤደን፥ ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ፤ በብዝዓይነቱ ዅሉ ኽቡር እምኒ ሰርድዮስ፥ ቶጳዝዮን፥ ኣልማዝ፥ ቢረሌ፥ መረግድ፥ ኢያሰጲድ፥ ሰንፔር፥ በሉር፥ ዘብረቕርቕ ዕንቍን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ፤ እቲ ኸበሮኻን እምብልታኻን ምሳኻ ነበረ፤ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ።


ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ክኽውሎ ኣይከኣለን፤ ፅሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸልዎን፤ ፀሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፤ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ካብ ዘሎ ኦም፥ ሓደ እኳ ብፅባቐ ኣይተመዓራረዮን።


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።


ሽዑ ፃድቃን ኣብ መንግስቲ ሰማያዊ ኣቦኣቶም ከም ፀሓይ ክበርሁ እዮም፤ ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።


ካብ ሰብ ዝወፅእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፥ ካብ ወፃኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ከርክሶ ኣይኽእልን እዩ፤


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።


ኢየሱስ ድማ “ሎሚ ኣብ ገነት፥ ምሳይ ከም እትኸውን፥ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” በሎ።


ካልእ ኸዓ፥ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ በቘለ፤ ሚእቲ ዕፅፊ ድማ ፈረየ።” እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!” በሎም።


በኣይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ እዙይ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም እንተለኹም፥ መከራ ኣለኩም፤ እንተ ኾነ ኣይዞኹም፥ ኣነ ንዓለም ስዒረዮ እየ።”


ንኣና ግና፥ እግዚኣብሄር ብመንፈሱ ገይሩ ገለፀልና፤ እቲ መንፈስ ቅዱስ፥ ንዅሉ ናይ እግዚኣብሄር ዓሚቝ ምስጢር፥ ዝምርምር እዩ እሞ።


እዝ ሰብዙይ ናብ ገነት ተወሰደ፤ ኣብኡ ከዓ ኽንገር ዘይከኣል፥ ሰብ ክዛረቦ ዘይተፈቕደሉ ነገር ሰምዐ።


ኣቱም ኣቦታት፥ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፥ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፥ እፅሕፈልኩም ኣለኹ።


“ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፤


ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።


ድሕሪዙይ ብርለ ዝመስል ባሕሪ ረአኹ፤ ንሱውን ምስ ሓዊ ዝተሓዋወሰ እዩ። እቶም፥ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን፥ ነቲ መፀውዒኡ ዝኾነ ቝፅርን ዝሰዓሩ፥ ናይ እግዚኣብሄር በገናታት ሒዞም፥ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መስትያት፥ ደው ኢሎም ረአኹ።


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’


እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ።


“ናብታ ኦም ህይወት ንምብፃሕ፥ ስልጣን ምእንቲ ኽረኽቡን፥ ናብታ ኸተማ፥ ብኣፍ ደገታታ ምእንቲ ኽኣትዉን፥ እቶም ክዳውንቶም ዝሓፅቡ፥ ብፁኣን እዮም።


መንፈሱን እታ መርዓትን፥ “ነዓ” ይብሉ ኣለዉ፤ እቲ ዝሰምዕውን “ነዓ” ይበል። ዝፀምአ ኸዓ ይምፃእ፤ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።


ብማእኸል እቲ ኣደባባይ ድማ፥ ይውሕዝ ነበረ። ነቲ ፈለግ ብኽልተ ጐኑ ድማ፥ በብወርሑ እናፈረየት፥ ኣብ ዓመት ዓሰርተ ኽልተ ጊዜ፥ ፍረ እትህብ፥ ኦም ህይወት ነበረት። ቈፅሊ እታ ኦም እቲኣ ኸዓ፥ ንዅሉ ህዝቢ ዝፍውስ ነበረ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos