6 ግና ነቲ ኣነ ዝፀልኦ ግብሪ ኒቆላውያን፥ ንስኻውን ትፀልኦ ኢኻ እሞ፥ እዙይ ግዳ ፅቡቕ ኣለካ።
ኢዩ ወዲ ኣናኒ እቲ ረኣዪ ኸዓ ኽራኸቦ ወፀ፦ “ንንጉስ ኢዮሳፍጥ ከዓ፥ ነቲ ከሓዲዶ ትሕግዝ ኣለኻ ወይ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፀልእዎ ኽትፈትዎም ግቡእዶ ይመስለካ? በዝ ነገር እዙይ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ።
ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክፉእ ነገር ኣየንበርኩን፤ ንጠሓስቲ ሕጊ ፀላእኹ።
ማሕበር ክፉኣት ፀላእኹ፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይቕመጥን እየ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’