21 ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፥ ጊዜ ሂበያ ነይረ፤ ንሳ ግና፥ ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን።
ከምኡ ድማ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ እንተ ደልዩ፥ ትዕግስቱ ምስ ኣርኣየ፥ ነቶም ንጥፍኣት ዝተዳለዉ፥ ናይ ጥፍኣት መልእኽተኛታት የምፅእ።
እዚኣቶም እቶም ቀደም ብዘመን ኖህ እታ መርከብ ክትስራሕ እንተላ፥ እግዚኣብሄር ብትዕግስቲ እናተፀበዮም እንተሎ፥ ምእዛዝ ዝኣበይዎ እዮም። ኣብታ መርከብ ውሑዳት፥ ማለት ሸሞንተ ነፍሳት ብማይ ደሓና።
ጐይታና፥ ንኸድሕነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግስቲ ሕሰቡ። እቲ ፍቑር ሓውና ጳውሎስውን፥ በቲ ዝተውሃቦ ጥበብ፥ ብዛዕባዙይ እዩ ዝፀሓፈልኩም።
ጐይታስ፥ ኵላቶም ናብ ንስሃ ኽበፅሑ እምበር፥ ሓደኳ ኽጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝኾነ፥ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፥ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፥ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ።
ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ።
እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።