Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 2:17 - መፅሓፍ ቅዱስ

17 “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 2:17
24 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ነቶም ዝፈርሕዎ ሓይሎም እዩ፤ ቃል ኪዳኑውን የፍልጦም።


ካብ ቤትካ ጠሊ ይሰትዩ፤ ካብ ወሓዚ በረኸትካ ተርውዮም።


ሙሴ ድማ ንኣሮን “ኣቕሓ ኣምፂእኻ ሓደ ጎመር መና ውሰድ፤ ንውሉድ ወለዶ ኽዕቈር ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ” በሎ።


ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፤ ኣብ ሓጐሱ ኸዓ ኻልእ ኣይሕወስን።


ቀይናን ዝኾነ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርዅስ እዩ፤ ፍቕሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ሰናብተይ ንዝሕሉዉን፥ ንኣይ ዘሐጕስ ንዝመርፁን፥ ቃል ኪዳነይውን ንዝሕልዉ ስሉባት፥


ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ቕፅረይን፥ ካብ ኣወዳትን ኣጓላትን ዝበልፅ፥ መዘከርታን ስምን ክህቦም እየ፤ ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ስምውን ክህቦም እየ።”


ኣህዛብ ንፅድቅኺ፥ ኵሎም ነገስታት ከዓ፥ ንኽብርኺ ኽርእይዎ እዮም፤ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውፅኦ ሓድሽ ስም ድማ፥ ክትፅውዒ ኢኺ።


ስለዙይ ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክበልዑ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትጠምዩ ኢኹም፤ እንሆ፥ እቶም ባሮተይ ክሰትዩ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትፀምኡ ኢኹም፤ እንሆ፥ ባሮተይ ክሕጐሱ፥ ንስኻትኩም ግና ኽትሓፍሩ ኢኹም።


ኣብቶም ሕሩያተይ፥ ንስምኩም መራገሚ ጌርኩም ክትሓድግዎ ኢኹም፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ከዓ ኽቐትለኩም እዩ፤ ነቶም ባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክፅውዖም እዩ።


ኢየሱስ ከዓ መሊሱ ኸምዙይ በሎም፦ “ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት፥ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፤ ንኣኣቶም ግና ኣይተውሃቦምን።


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።


ኢየሱስ ከዓ “ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ምግቢ ኣለኒ” በሎም።


እቲ ስጋዊ ሰብ፥ ነቲ ኻብ መንፈስ እግዚኣብሄር ዝመፅእ ኣይቕበሎን እዩ፤ ንእኡ ዕሽነት እዩ፤ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝኾነ ኸዓ፥ ክፈልጦ ኣይኽእልን እዩ።


ንስኻትኩም ሞይትኹም ኢኹምሞ፥ ህይወትኩምውን ምስ ክርስቶስ፥ ኣብ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ኣሎሞ።


ንሳቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን፥ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣሕሉቕን፥ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዝ መዝሙር እዙይውን፥ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ ዝተቤዘዎም፥ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፥ ሓደኳ ኽመሃሮ ኣይከኣለን።


ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’


“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”


“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos