16 ስለዙይ ተነሳህ፤ እንተ ዘይኮነ፥ ቀልጢፈ መፂአ፥ በቲ ኻብ ኣፈይ ዝወፅእ ሰይፊ ኽዋግኦም እየ።
ግና ንሱ ንድኻታት ብፅድቂ ኽፈርድ፥ ነቶም ምስኪናት ምድሪ ኸዓ፥ ብቕንዕና ኽብይን እዩ። ብናይ ኣፉ በትሪ ንምድሪ ኽወቕዓ፥ ብእስትንፋስ ከናፍሩውን፥ ንኽፉኣት ክቐትሎም እዩ።
ንኣፈይ ከም ዝተስሓለ ሰይፊ ገበሮ፤ ኣብ ፅላል ኢዱ ኸዓ ሓብአኒ፤ ከም ዝተስሓለ ፍላፃ ገበረኒ፤ ኣብ ሰገባኣውን ሓብአኒ፤
ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ድፍኡ፤ ናይ መንፈስ ሰይፊ ድማ ሓዙ፤ ንሱውን ቃል እግዚኣብሄር እዩ።
ድሕሪዙይ፥ ናይ ዓመፅ ሰብ ክግለፅ እዩ፤ ጐይታ ኢየሱስ ከዓ፥ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወፅእ ትንፋስ፥ ከጥፍኦ እዩ። ብግርማ ምፅኣቱውን ክድምስሶ እዩ።
ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሩ፤ ካብ ኣፉውን፥ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገፁውን፥ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ።
እቶም ሰባት ድማ፥ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፤ ንስም እቲ ኣብዘን መቕሰፍትታት እዚኣተን፥ ስልጣን ንዘለዎ እግዚኣብሄር ፀረፍዎ፤ ምንሳሕን፥ ንእኡ ኽብሪ ምሃብን ከዓ ኣበዩ።
ካብ ኣፉ ኸዓ፥ ነህዛብ ዝወቕዐሉ፥ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ። ንሱ፥ ብበትሪ ሓፂን ክገዝኦም እዩ። ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፥ ብርቱዕ ቝጥዓ መፅመቝ ወይኒ ኸዓ፥ ንሱ ኽረግፆ እዩ።
እቶም ዝተረፉ ድማ፥ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ዝተቐመጠ ዝወፅእ ዝነበረ ሰይፊ ተቐተሉ። ኵለን ኣዕዋፍውን፥ ስጋኦም በሊዐን ፀገባ።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
እምበኣርከስ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር፤ ተነሳህ፤ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻውን ግበር። እንተ ዘይተነሲህኻ ግና፥ መፂአ ነቲ ቐዋሚ ቐንዲልካ፥ ካብቲ ስፍራኡ ኸወግዶ እየ።
እቲ ነዝ ነገር እዙይ ዝምስክር፥ “እወ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ” ይብል ኣሎ። ኣሜን፥ ጐይታ ኢየሱስ ነዓ።
[ኢየሱስ ከዓ] “እንሆ፥ ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ እቲ ንቓላት ትንቢት እዝ መፅሓፍ እዙይ ዝሕሉ ኸዓ፥ ብፁእ እዩ” በለኒ።
ኣነ፥ ነቶም ዘፍቅሮም እግስፆምን እቐፅዖምን እየ። ደጊም ንቓሕ እሞ ተነሳህ።