14 እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።
“ንሱውን፦ ፅረጉ፤ ፅረጉ፤ መንገዲ ኣዐርዩ፤ ካብ መንገዲ ህዝበይ መዐንቀፊ ኣርሕቑ ይብል።
ስለዙይ፥ እንሆ፥ ኣብ ቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ መዐንቀፊ እምኒ አንብር ኣለኹ፤ ኣብኡ ኸዓ ኣቦታትን ውሉድን ሓቢሮም ክዕንቀፉ፥ ጐረቤትን ዓርኩን ሓቢሮም ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
“ፃድቕ ካብ ፅድቁ ተመሊሱ ሓጢኣት እንተ ገበረ፥ መዐንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ ኽመውት እዩ፤ ስለ ዘየጠንቀቕካዮ ብሓጢኣቱ ኽመውት፥ እቲ ዝገበሮ ፅድቂ ድማ ኣይዝከርን እዩ፤ ደሙ ግና ኻብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
ኣብ ቅድሚ ጣዖታቶም ኣገልጊሎምዎም፥ ንቤት እስራኤል ከዓ መዐንቀፊ ሓጢኣት ኮይኖምዎም እዮም እሞ፥ ስለዙይ ንሳቶም ሓጢኣቶም ክፆሩ እዮም፥ ኢለ፥ ኢደይ ኣልዓልኩሎም፤ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ።
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።
“ዕንቅፋት ግድን ክመፅእ እዩ እሞ፥ ብዛዕባ ዕንቅፋት ንዓለም ወይለኣ! ምናዳ ነቲ ብሰንኩ ዕንቅፋት ዝመፅእ ሰብ ወይለኡ!
እምበኣር ንርእስኹም፥ ንጣዖት ካብ ዝተሰውአ ምግብን፥ ካብ ደምን፥ ካብ ዝበኸተ ስጋ እንስሳን፥ ካብ ዝሙትን ተኸልከሉ። ካብዙይ እንተ ተኸልኪልኩም፥ ፅቡቕ ክትነብሩ ኢኹም፤ ደሓን ኩኑ።”
ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና፥ ተማኺርና ‘ንጣዖታት ካብ ዝተሰውአ ምግብን ደምን፥ ዝበኸተ ስጋ እንስሳ ካብ ምብላዕን፥ ካብ ዝሙትን ረሓቑ’ ኢልና፥ ብፅሑፍ ኣዚዝናዮም ኣለና” በልዎ።
ዳዊት ከዓ፦ “ማእዶም መፃወድያን መድፈንን፥ መዐንቀፍን ፍዳን ይኹኖም፤
ስለዙይ ኣብ ንስንሳትና፥ ደጊም ኣይንፍረድ። የግዳስ፥ ሓደ ንሓዉ መዐንቀፊ ወይ መሐንኰሊ ኸይገብረሉ፥ ይጠንቀቕ።
ሓውካ ዝዕንቀፈሉ እንተ ኾይኑ፥ ስጋ ዘይምብላዕ፥ ወይኒ ዘይምስታይ ወይ ካልእ ዘዐንቅፍ ነገር ዘይምግባር ሰናይ እዩ።
ስለ ምንታይ ነቲ ፅድቂ ዘይረኽብዎ? ፅድቆም ብስራሕ እምበር፥ ብእምነት ስለ ዘይኮነ እዩ። ኣብቲ እምኒ መዐንቀፊ ድማ ተዓንቀፉ።
ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።
ግና ኻብ ዝሙት ምእንቲ ኽርሕቕ፥ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ናይ ባዕሉ ሰበይቲ ትሃልዎ። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ እውን፥ ናይ ባዕላ ሰብኣይ ይሃልዋ።
መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር ይኹን፤ እቲ ዓራት ኣሚን ከዓ ኣይርከስ። ንኣመንዝራታትን ንዘመውትን ግና፥ እግዚኣብሄር ክፈርዶም እዩ እሞ።
ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ።
ከምኡውን፦ “መዐንቀፊ እምንን፥ ኣንደልሂፁ ዘውድቕ ኰዅሕን እዩ።” ነቲ ቓል ብዘይምእዛዞም ወደቑ፤ ነዙይ ከዓ ምዱባት ነበሩ።
ነታ ቕንዕቲ መንገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፤ መንገዲ እቲ ዓስቢ ዓመፃ ዝፈተወ በለዓም ወዲ ባሶር ሰዓቡ።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!
ግና ነታ “ነቢይት እየ” እናበለት፥ ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን፥ ንጣዖታት ዝተሰውአ ኽበልዑ እትምህሮምን፥ እተስሕቶምን ዘላ፥ ኤልዛቤል እትብሃል ሰበይቲ፥ ስቕ ኢልካ ብምርኣይካ፥ እነቕፈካ ኣለኹ።
ግና ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ስለ ዝሓደግካያ፥ ዝነቕፈካ ኣለኒ።
እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።
እቶም ኣኽላባት ዝኾኑ፥ ጠንቈልቲ፥ ኣመንዝራታት፥ ቀተልቲ ሰብ፥ መምለኽቲ ጣዖት፥ ሓሰት ዝፈትዉን ዝገብሩን ኵሎም ግና፥ ካብታ ኸተማ ወፃኢ ክኾኑ እዮም።