Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 2:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ኣበይ ከም እትነብር እፈልጥ እየ። ኣብቲ ዙፋን ሰይጣን ዘለዎ ኢኻ እትነብር። ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት፥ ኣፅኒዕኻ ሒዝካዮ ኣለኻ። ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፥ ንኣንቲጳስ፥ ነቲ እሙን ምስክረይ፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዝቐተልዎ መዓልቲታት እኳ፥ ነቲ ኣባይ ዘለካ እምነት ኣይከሓድካን።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 2:13
27 Referencias Cruzadas  

ካብዛ ዓዲ እዚኣ እንተ ኣሳጐጕኹም፥ ናብ ካልእ ህደሙ፤ ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ከተማታት እስራኤል በፂሕኹም ከም ዘይትውድእወን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።


በቲ እዋን እቱይ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህቡኹምን ክቐትሉኹምን እዮም፤ ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሎም ኣህዛብ ፅሉኣት ክትኮኑ ኢኹም።


ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፤ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ’ ተብሂሉ ተፅሒፉ እዩ እሞ፥ ኪድ ሰይጣን ካባይ ረሓቕ” በሎ።


ስለ ስመይ ከዓ፥ ብዅሉ ዝተፀላእኹም ክትኮኑ ኢኹም።


ደም እስጢፋኖስ ሰማዕትኻ ኸፍስሱ እንተለዉ ድማ፥ ባዕለይ ምስኣቶም ተሰማሚዐ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፤ ናይቶም ዝቐተልዎ ኽዳውንቲ እውን እሕሉ ነበርኩ’ በልክዎ።


ናብዙይ ድማ፥ ነቶም ስምካ ዝፅውዑ ዅሎም ክኣስር፥ ካብ ሊቃነ ካህናት ስልጣን ተውሂብዎ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።


ንዅሉ መርምርዎ፤ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ።


ሓደኳ ነቶም ኣዝማዱ፥ ብሕልፊ እኳ ንስድራኡ ዘይሓሊ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ እምነቱ ዝኸሓደ፥ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።


ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኻዮ ቕኑዕ ትምህርቲ፥ ከም ኣብነት ጌርካ፥ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ እምነትን ፍቕርን ሓልዎ።


እንተ ተዓገስና፥ ምስኡ ኸዓ ኽንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፥ ንሱውን ክኽሕደና እዩ።


እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፥ ስለዙይ ነታ እንፅበያ ተስፋ፥ ብዘይ ምጥርጣር ኣፅኒዕና ንሓዛ።


ክርስቶስ ግና ኸም ውሉድ፥ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እሙን እዩ፤ ነቲ ትብዓትናን፥ እንምክሐሉ ተስፋናን፥ ክሳዕ መወዳእታ ኣፅኒዕና እንተ ሒዝና ድማ፥ ቤቱ ንሕና ኢና።


ንሳቶምዶኸ ኣይኮኑን፥ ነቲ እትፅውዑሉ ኽቡር ስም ዝፀርፉ ዘለዉ?


ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።


ሳላ ደም እቲ በጊዕን፥ ሳላ ቓል ምስክርነቶምን ድማ ሰዓርዎ፤ ንህይወቶም ክሳዕ ሞት ኣየናሕሰዩላን።


እቲ ዝረአኽዎ ኣራዊት ከዓ፥ ነብሪ ይመስል ነበረ። ኣእጋሩ ከም ኣእጋር ድቢ፥ ኣፉ ኸም ኣፍ ኣንበሳ ይመስል ነበረ። እቲ ገበል ድማ፥ ሓይሉን ዙፋኑን ዓብዪ ስልጣኑን ሃቦ።


እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን፥ ንእምነት ኢየሱስን ዝሕልዉ ቕዱሳን ከዓ፥ ትዕግስቶም ኣብዙይ እዩ ዝረአ።


እዚኣቶም፥ ምስቲ በጊዕ ክዋግኡ እዮም፤ እቲ በጊዕ ግና፥ ጐይታ ጐይቶትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ፥ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ፥ ዝተፀውዑን፥ ዝተሓረዩን፥ እሙናትን ከዓ፥ ምስኡ ኽስዕሩ እዮም” በለኒ።


እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ብደም ቅዱሳንን፥ ብደም እቶም መሰኻኽር ኢየሱስን፥ ሰኺራ ረአኽዋ። ምስ ረአኽዋ ድማ፥ የመና ተገረምኩ።


ግብርኻን ፃዕርኻን ትዕግስትኻን፥ ነቶም ክፉኣት ሰባትውን፥ ክትፆሮም ዘይምኽኣልካን፥ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዝብሉ፥ ግና ዘይኮኑ፥ ተዓዚብካዮምስ ሓሰውቲ ኾይኖም ከም ዝረኸብካዮምውን፥ እፈልጥ እየ።


ቀልጢፈ እመፅእ ኣለኹ፤ ሓደኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፥ ነቲ ዘለካ ኣፅኒዕኻ ሓዝ።


ደጊም ከመይ ከም ዝተቐበልካን፥ ከም ዝሰማዕኻን ዘክር፤ ሓልዎ፤ ተነሳህውን። እንተ ዘይነቒሕኻ ግና፥ ከም ሰራቒ ኽመፀካ እየ፤ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመፀካውን፥ ኣይትፈልጥን ኢኻ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos