Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 2:11 - መፅሓፍ ቅዱስ

11 “ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር፥ በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይጕዳእን እዩ።’

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 2:11
16 Referencias Cruzadas  

ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።


ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” በሎም።


ካልእ ኸዓ፥ ኣብ ፅቡቕ ምድሪ ወደቐ፤ በቘለ፤ ሚእቲ ዕፅፊ ድማ ፈረየ።” እዙይ ምስ በለ፥ ዓው ኢሉ “ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!” በሎም።


“ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፤


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ፤ ነቲ ዝስዕር፥ ካብቲ ስዉር መና ኽህቦ እየ፤ እንትርፊ እቲ ዝተቐበሎ፥ ሓደኳ ዘይፈልጦ፥ ሓድሽ ስም ዝተፅሓፎ ፃዕዳ እምኒውን ክህቦ እየ።’


“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’


ሞትን ሲኦልንውን፥ ናብቲ ቓላይ ሓዊ፥ ተደርበዩ። እዝ ቓላይ ሓዊ፥ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።


ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ዕድል ዘለዎ፥ ብፁዕን ቅዱስን እዩ። እቲ ኻልኣይ ሞት፥ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን፤ ግና ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ክርስቶስን ካህናት ክኾኑ፥ ምስ ክርስቶስውን፥ ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም።


እቲ ዝስዕር፥ ነዙይ ክወርስ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክኾኖ፥ ንሱውን ውሉደይ ክኾነኒ እዩ።


እቶም ፈራሓትን፥ ዘይኣምኑን፥ ርኹሳትን፥ ቀተልቲ ሰብን፥ ኣመንዝራታትን፥ ጠንቈልትን፥ መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኵሎም ሓሰውትን ግና፥ ክፍሎም ኣብቲ ብሓዊን ዲንን ዝነድድ ቃላይ እዩ፤ እዙይ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ” በለኒ።


ነቲ ዝስዕር፥ ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ፥ ዓምዲ ኽገብሮ እየ፤ ካብኣውን ከቶ ኣይወፅእን እዩ። ስም ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፥ ስም እታ ኻብ ኣምላኸይ፥ ካብ ሰማይ እትወርድ፥ ሓዳስ ኢየሩሳሌም፥ ነቲ ሓድሽ ስመይውን፥ ኣብ ልዕሊኡ ኽፅሕፍ እየ።’


“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያን ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ።”


እቲ ዝስዕር፥ ከምኡ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፤ ንስሙውን፥ ካብ መፅሓፍ ህይወት ኣይፍሕቖን እየ። ኣብ ቅድሚ ኣቦይን፥ ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ፥ ንስሙ ኽምስክረሉ እየ።’


“እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos