Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 2:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 “ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ኤፌሶን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ፥ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፥ ኣብ ማእኸል እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ናይ ወርቂ ቐናዲል ዝመላለስ፥ ከምዙይ ይብል፦

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 2:1
20 Referencias Cruzadas  

እቲ ሓለቓ ኸዓ፥ እቶም ህዝቢ ኽኣትዉ እንተለዉ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ኽኣቱ፥ ንሳቶም ክወፁ እንተለዉ ድማ፥ ምስኣቶም ክወፅእ እዩ።


ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ፤ ንስኻትኩም ከዓ በቲ ብርሃኑ ንቑሩብ ጊዜ ደስ ክብለኩም ደለኹም።


ኣብ ኤፌሶን ምስ በፅሑ፥ ንጵርስቅላን ኣቂላን ኣብኡ ሓደጎም፤ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣትዩ ድማ፥ ምስቶም ኣይሁድ ተነጋገረ።


ከፋንውዎ እንተለዉ “በቲ ዝመፅእ በዓል፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ግድን ከኽብር ኣለኒ። ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ኾይኑ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ ተሰናቢቱ፥ ካብ ኤፌሶን ብመርከብ ከደ።


ኣጵሎስ ኣብ ቆሮንቶስ እንተሎ፥ ጳውሎስ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ፥ ናብ ኤፌሶን መፀ። ኣብኡ ኸዓ ውሑዳት ደቀ መዛሙርት ረኸበ።


መቕደስ እግዚኣብሄር ምስ ጣዖታት፥ እንታይ ስምምዕ ኣለዎ? እግዚኣብሄር፦ “ምስኣቶም ክነብር እየ፤ ኣብ ማእኸሎም ክመላለስ እየ፤ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ፤ ንሳቶም ከዓ ህዝበይ ክኾኑ እዮም” ከም ዝበለ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው እግዚኣብሄር ኢና።


ብየማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሩ፤ ካብ ኣፉውን፥ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወፅእ ነበረ፤ ገፁውን፥ ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ፀሓይ ነበረ።


ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረአኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን፥ ናይተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልን ምስጢር፥ እዙይ እዩ፤ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፥ ናይተን ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት መላእኽቲ እዮም፤ እተን ሸውዓተ ቐወምቲ ቐናዲልውን፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት እየን” በለኒ።


ዓብዪ ምልክት ድማ ኣብ ሰማይ ተርኣየ፦ ፀሓይ ዝተወንዘፈት፥ ወርሒ እውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ ዘለዋ፥ ዓሰርተ ኽልተ ኸዋኽብቲ ዘለዎ ኣክሊል ድማ፥ ኣብ ርእሳ ዝደፍአት፥ ሓንቲ ሰበይቲ ተርኣየት።


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ጴርጋሞንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ዝሓዘ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ትያጥሮንውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝመስላ ኣዒንቲ ዘለዋኦ፥ ኣእጋሩውን ዘንፀባርቕ ነሃስ ዝመስል ወዲ እግዚኣብሄር፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰርዴስውን ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን፥ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለዎ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። “ህያው” ተብሂልካ ኢኻ እትፅዋዕ፤ ግና ምዉት ኢኻ።


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ፊላደልፍያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቕዱስ፥ ሓቀኛ፥ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎ፥ ንሱ ምስ ከፈተ፥ ሓደኳ ኽዓፁ ዘይኽእል፥ ንሱ ምስ ዓፀወ ኸዓ፥ ሓደኳ ክኸፍት ዘይኽእል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos