8 ዘንፀባርቕን ብሉፅን ፅሩይን ክዳን ክትክደን፥ ተውሂቡዋ እዩ” እንትብል ሰማዕኹ። እዝ ብሉፅ ክዳን ድማ፥ ናይቶም ቅዱሳን፥ ግብሪ ፅድቂ እዩ።
ካህናትካ ፅድቂ ይልበሱ፤ ቅዱሳንካ ድማ ደስ ይበሎም።
ንባዕላ ምንፃፋት ግብረ መርፍእን ስጋጃን ትሰርሕ፤ ኤፉድን ቀይሕ ክዳንን ከዓ ትኽደን።
መስትያተንን፥ ካብ ፅቡቕ ኤፉድ ዝተሰርሐ ኽዳነንን፥ ገይፂ ርእሰንን፥ ኵሉ ዓይኒ ርግብን ክምንጥለን እዩ።
ከምቲ ኣኽሊል፥ ኣብ ርእሱ ዝደፍአ መርዓዊ፥ ከምታ ሽልማት፥ ዝተሸለመት መርዓት፥ እግዚኣብሄር ልብሲ ድሕነት ኣልቢሱኒ፥ ብመጐናፀፊ ፅድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፥ ብእግዚኣብሄር የመና እሕጐስ፥ ነፍሰይ ድማ ብኣምላኸይ ደስ ይብላ ኣሎ።
ብወርቀ ዘቦ ዝተጠልፈ ኸደንኩኺ፤ ብቘርበት ኣቆስጣ ሳእኒ ገበርኩልኪ፤ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፤ ብሃሪውን ከደንኩኺ።
ብደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድ ክኣትዉ እንተለዉ፥ ካብ ልሕፂ እንጣጢዕ ዝተሰርሐ ኣልባሳት ክለብሱ እዮም፤ ኣብ ደገታት እታ ውሽጣዊት ዓፀድን፥ ኣብ ውሽጥን ከገልግሉ እንተለዉ ዝኾነ ናይ በጊዕ ጨጉሪ ኣይኽደኑን እዮም።
ኣብ ቅድሚኣቶም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፤ ገፁ ኸም ፀሓይ በርሀ፤ ክዳኑውን ከም በረድ ፃዕደወ።
‘ዓርከይ! ክዳን መርዓ እንተይተኸደንካ፥ ከመይ ኢልካ ናብዙይ ኣቲኻ?’ በሎ፤ ንሱ ግና ስቕ በለ።
ክዳኑ ድማ የመና ኣንፀባረቐ፤ ኣብ ምድሪ ሓደ ሓፃባይ ከምኡ ገይሩ ኸፃዕድዎ ኽሳዕ ዘይኽእል ከዓ ፃዕደወ።
ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።
ንሱ ኽዓርግ እንተሎ፥ ንሳቶም ድማ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሮም ክጥምቱ እንተለዉ፥ እንሆ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት፥ ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሎም፥
ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፥ ድልየቱ ንኽፍፅም፥ ንስጋኹም ኣይትሕሰቡ።
ኵሎም እቶም ዝኣምኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝፀድቁ፥ ብኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን እዩ። ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”
እቶም ሸውዓተ መቕሰፍትታት ዝሓዙ፥ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ ካብ ቤተ መቕደስ ወፁ። ንሳቶም ካብ ሃሪ ዝተሰርሐ፥ ዘንፀባርቕ ፅሩይ ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ኣፍ ልቦምውን፥ ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም ነበሩ።
ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከዓ፥ ፃዕዳን ፅሩይን ክዳን ተኸዲኖም፥ ኣብ ፀዓዱ ኣፍራስ ተቐሚጦም፥ ተኸተልዎ።
ምእንቲ ኽትህብትም፥ ብሓዊ ዝፀረየ ወርቂ ኻባይ ክትዕድግ፥ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቕላዕን፥ ፃዕዳ ኽዳውንቲ ኽትክደንን፥ ምእንቲ ኽትርኢ፥ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን፥ ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ፥ እመኽረካ ኣለኹ።