6 ሽዑ ኸም ድምፂ ብዙሕ ሰብን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ “ሃሌ ሉያ! እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ።
ከም ቅልፅም እግዚኣብሄር ዝበለ ቕልፅምዶ ኣለካ እዩ? ከም ድምፁ ጌርካዶ ኸተንጐድጕድ ትኽእል ኢኻ?
እግዚኣብሄር ልዑልን ግሩምን እዩሞ፤ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ እውን ዓብዪ ንጉስ እዩሞ።
እግዚኣብሄር ንጉስ ኵላ ምድሪ እዩ እሞ፥ ብምስትውዓል ዘምሩሉ።
ድምፂ ነጐድጓድካ ብኣውሎ ንፋስ ነበረ። ብርሃን መባርቕ ንዓለም ኣብርሀ፤ ምድሪ ተናወፀትን ኣንቀጥቀጠትን።
እግዚኣብሄር ነገሰ፤ ክብርውን ለበሰ፤ እግዚኣብሄር ሓይሉ ለበሰ፤ ተዓጠቐውን፤ ንዓለም ከይትናወፅ ኣፅንዓ።
እግዚኣብሄር ነጊሱ እዩ፤ ምድሪ ትተሓጐስ፤ ብዙሓት ደሴታት ደስ ይበሎም።
ፃድቃን፥ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፤ ንቕድስናኡ መዘከርታውን ኣመስግኑ።
እግዚኣብሄር ነገሰ፤ ኣህዛብ ይደንግፁ፤ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐመጠ፤ ምድሪ ትናወፅ።
እቲ ብስራት ዘብስር፥ ሰላምውን ዝነግር፥ ሰናይ ዜና ዘብስር፥ ድሕነት ዝእውጅ፥ ንፅዮን ከዓ ኣምላኽኪ ነጊሱ እዩ ዝብል፥ ኣእጋሩ ኣብ እምባታት ክንደይ ፅቡቓት እየን!
እቶም መጥፋእቲ ኻብ ሰሜን ክመፁዋ እዮም እሞ፥ ሰማይን ምድርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን፥ ብዛዕባ ባቢሎን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።
ክኸዱ እንተለዉ ኸዓ፥ ድምፂ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፥ ከም ድምፂ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ፥ ከም ድምፂ ሰራዊት ሰማዕኹ፤ ደው ክብሉ እንተለዉ፥ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።
እንሆ ኸዓ ኽብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መፀ፤ ድምፁ ድማ ኸም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ፤ ምድሪ እውን ብኽብሩ በርሀት።
ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፥ ናብ ፈተና ኣይተእትወና፤ መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፥ ኣሜን።’
ኣእጋሩ፥ ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ፥ ዘንፀባርቕ ነሃስ ይመስላ ነበራ፤ ድምፁውን፥ ከም ድምፂ ብዙሕ ማያት ነበረ።
እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።
ኣብ ሰማይ ከዓ፥ ዓው ብዝበለ ድምፂ፥ “ሕዚ ምድሓንን ሓይልን መንግስትን፥ ናይ ኣምላኽና ኾይኑ እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ንመሲሑ ኾይኑ እዩ። እቲ ለይትን መዓልትን፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዝኸሶም ዝነበረ፥ ከሳሲ ኣሕዋትና፥ ተደርቢዩ እዩ እሞ።
ከም ድምፂ ብዙሕ ማያትን፥ ከም ድምፂ ብርቱዕ ነጐድጓድን ዝበለ፥ ካብ ሰማይ ድምፂ ሰማዕኹ። ከምቲ ሰባት በገናኦም ክፃወቱ እንተለዉ፥ ዝስማዕ ድምፂ ድማ ሰማዕኹ።
ድሕሪዙይ፥ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ህዝቢ ዝበለ፥ ብርቱዕ ድምፂ፥ “ሃሌ ሉያ! ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ።
እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ኣሕሉቕን፥ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከዓ፥ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ እግዚኣብሄር “ኣሜን፥ ሃሌ ሉያ” እናበሉ፥ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
ኣብታ ኸተማ፥ መቕደስ ኣይረአኹን፤ እቲ ንዅሉ ዝገዝእ ጐይታ ኣምላኽን፥ እቲ በጊዕን፥ መቕደሳ እዮም እሞ።
ካብቲ ዙፋን ከዓ፥ መብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ወፀ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋንውን፥ ሸውዓተ ናይ ሓዊ መብራህትታት ይበርሁ ነበሩ። ንሳቶም ሸውዓተ መናፍስቲ እግዚኣብሄር እዮም።
እቲ በጊዕ፥ ካብቲ ሸውዓተ ማሕተማት፥ ነቲ ቐዳማይ ክፈትሖ እንተሎ ረአኹ። ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ፥ ከም ነጐድጓድ ብዝመስል ድምፂ፥ “ነዓ ረአ” እንትብል ሰማዕኹ።
እቲ መልኣኽ ድማ፥ ነቲ ፅንሃህ ወሲዱ፥ ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ጓህሪ፥ ሓዊ መልኦ፤ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮ፤ ነጐድጓድን ድምፅን መብረቕን ምንቅጥቃጥ ምድርን ከዓ ኾነ።