Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 19:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 ብድሕሪዙይ “ኣቱም እትፈርሕዎ ዅልኻትኩም፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን ኣገልገልቱ፥ ንኣምላኽና ወድስዎ” ዝብል ድምፂ፥ ካብቲ ዙፋን ወፀ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 19:5
14 Referencias Cruzadas  

ንዅሎም እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሑ፥ ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ክባርኾም እዩ።


ኣቱም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ቆይምኩም እተገልግሉ፥ ኵልኻትኩም ባሮት እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር ባርኹ።


ሃሌ ሉያ። ንስም እግዚኣብሄር ኣመስግኑ፤ ኣቱም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር፥ ኣመስግንዎ።


ኵሉ እስትንፋስ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር የመስግን። ሃሌ ሉያ።


“ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሑ ኣመስግንዎ፤ ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ኵልኻትኩም ኣኽብርዎ፤ ኵልኻትኩም ዘርኢ እስራኤልውን፥ ፍርሕዎ።


እቲ ኻልኣይ ኣራዊት፥ ኵላቶም እቶም ኣናእሽቱን ዓበይትን፥ ሃብታማትን ድኻታትን፥ ጐይቶትን ኣገልገልትን፥ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይ ኣብ ግምባሮም፥ ማሕተም ከም ዝግበረሎም ገበረ።


እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ ፅዋዑ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ፤ ካብቲ ኣብ መቕደስ ዘሎ ዙፋን ከዓ፥ “ተፈፀመ” ዝብል ብርቱዕ ድምፂ ወፀ።


ስጋ ነገስታትን፥ ስጋ ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ስጋ ሓያላትን፥ ስጋ ኣፍራስን፥ ስጋ ናይቶም ዝተቐመጥዎምን፥ ስጋ ዅሎም ሰባትን፥ ጭዋታት ኮኑ ባሮት፥ ኣናእሽተይ ኮኑ ዓበይቲ፥ ንዕነ ብልዓ” እናበለ ፀውዐን።


ምዉታን ድማ፥ ዓበይትን ኣናእሽቱን፥ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን፥ ደው ኢሎም ረአኹ። መፃሕፍቲ እውን ተገለፁ፤ እቲ መፅሓፍ ህይወት ዝኾነ፥ ካልእ መፅሓፍውን ተገለፀ። እቶም ምዉታን ድማ፥ ከምቲ ኣብቲ መፃሕፍቲ ተፅሒፉ ዝነበረ፥ ከከም ግብሮም ተፈርዶም።


ስለዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እግዚኣብሄር እኒሀዉ፤ ኣብታ መቕደሱውን፥ ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸዓ፥ ድንኳኑ ተኺሉ ኸፅልለሎም እዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos