Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 19:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ፍርዱ ሓቅን ፅድቅን እዩ እሞ፥ ንሱ፥ ነታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ፥ ፈረዳ፤ ንደም ኣገልገልቱውን፥ ካብ ኢዳ ተፈደዮ” እንትብል ሰማዕኹ።

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 19:2
16 Referencias Cruzadas  

ኣነ ነቲ ኤልዛቤል ዘፍሰሰቶ ደም ባሮተይ ነቢያትን ደም ኵሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ሕነ ኽፈድስ ንቤት ጐይታኻ ኣክኣብ ክተጥፍኣ ኢኻ።


ንእዚኣብሔር ምፍራሕ ንፁህ እዩ፤ ንዘለኣለም ይነብር። ፍርዲ እግዚኣብሄር ሓቅን ቅንዕናን ብሓደ እዮም።


ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፤ ልዕል ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ፤ ነቲ ናይ ጥንቲ ዘደንቕ ምኽሪ፥ ብፍፁም ተኣማንነት ፈፂምካዮ ኢኻሞ።


ግና ዙፋን ፍርዲ ኽዝርጋሕ እዩ፤ ፈፂሙ ምእንቲ ኽፀንትን ክጠፍእን ከዓ ግዝኣቱ ኻብኡ ኽውሰድ እዩ።


ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ እሞ ኽፈድዮም እየ፤ እግሮም ዝሰናኸለሉ እዋን ክመፅእ እዩ፤ መዓልቲ ዕንወቶም ቀረባ እዩ፤ ጥፍኣቶም ከዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።


“ንሱ ኣምላኽ እዩ፤ ግብሩ ኸዓ ፍፁም እዩ፤ ኵሉ መንገዱ ድማ ሓቂ እዩ፤ ክፍኣት ዘይብሉ እሙን ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ፃድቕን ቅኑዕን እዩ።


“ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፥ ንመፃርርቱ ሕነ ኽፈዲ፥ ንምድሩ፥ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፥ ኣቱም ህዝብታት፥ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።”


መዝሙር እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ዝኾነ ሙሴን፥ መዝሙር እቲ በጊዕን፥ ከምዙይ እናበሉ ይዝምሩ ነበሩ፦ “ኦ፥ ንዅሉ እትገዝእ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ስራሕኻ ዓቢይን ግሩምን እዩ። ኦ፥ ንጉስ ኣህዛብ፥ መንገድኻ ፅድቅን ሓቅን እዩ።


“ኦ፥ ሰማይ ብኣኣ ተሓጐስ፤ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኣ ፈሪዱ፥ ሕነ ስለ ዝፈደየልኩም፥ ኣቱም ቅዱሳን ሃዋርያትን ነቢያትንውን ተሓጐሱ”


ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።


ዓው ብዝበለ ድምፂ ኸዓ፦ “ኦ ቕዱስን ሓቀኛን ዝኾንካ ጐይታ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ? ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፥ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም? እናበሉ ጠርዑ”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos