7 ብልባ ‘ነጊሰ ኽነብር እየ፤ መበለትውን ኣይኸውንን እየ፤ ሓዘን ድማ ኣይርእን እየ’ ትብል ኣላ እሞ፥ ኽንድቲ ንባዕላ ዘኽበረቶን ዘሐንቀቐቶን፥ ስቓይን ሓዘንን ፍደይዋ።
ሽዑ ንጉስ ንሃማ “ቐልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፤ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ መርዶክዮስ ከምቲ ዝበልካዮ ኸምኡ ግበረሉ። ካብዝ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጕደል” በሎ።
ብልቡ “ከቶ ኣይናወፅን፤ ንውሉድ ወለዶውን ክፉእ ኣይረኽበንን” ይብል።
ኣዋልድ ነገስታት ንኽብርኻ እየን፤ እታ ንግስቲ ክዳን ወርቂ ተጐናፂፋን ተጐልቢባን፥ ኣብ የማንካ ትቐውም።
ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።
ኣሌፍ። እዛ ብህዝቢ መሊኣ ዝነበረት ከተማ፥ ከመይ ኢላ ሰብ ዘይብላ ተረፈት! እዛ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት፥ ሕዚ ኸመይ ኢላ መበለት ኮነት! እዛ ኣብ ማእኸል ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረት፥ ከመይ ኢላ ተገዛኢት ኮነት?
ኣነ እየ እተዛረብኩ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፥ ክትሰትዪያን ክትጭልጥያን፥ ገልዑ ኸዓ ኽትነኽስን፥ ኣፍ ልብኺ ድማ ኽትስንጥቕን ኢኺ።”
ኣታ ኣብ ዝነቕዐ ኰዅሒ እትነብር፥ መንበሪኻ ድማ ኣብ ልዕል ዝበለ ቦታ ዝገበርካ፥ ብልብኻውን ‘ናብ ምድሪ ኸውርደኒ ዝኽእል መን እዩ?’ እትብል ንስኻ፥ ትዕቢት ልብኻ ኣታሊሉካ እዩ።
ነታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸዓ “ኣነ እየ፤ ብዘይ ዝኣይ ሓደ እኳ የለን” እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ፤ ክንድዙይ ዝባደመትን መሕደሪ ኣራዊትን ከመይ ኮነት! ኵሉ ብኣኣ ዝሓልፍ ኢዱ እናዋጣወጠ ይፋፅየላ።
ብዕድመ ንኡሳት ዝኾና መበለታት ግና፥ ፍትወት ስጋ ምስ ተልዓለን፥ ካብ ክርስቶስ ርሒቐን፥ ክምርዐዋ እየን ዝደልያ እሞ፥ ምስተን መበለታት ኣይትመድበን።
ኵሎም ኣህዛብ፥ ካብቲ ዘስክር ወይኒ ምንዝርናኣ፥ ሰትዮም እዮም እሞ፤ ነገስታት ምድሪ፥ ምስኣ መንዚሮም፤ ነጋዶ ምድሪ እውን፥ ብሓይሊ ፅጋባ ሃብቲሞም እዮም” እናበለ፥ ድምፂ ኣስምዐ።
“እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸዓ፥ ነቲ ኽትነድድ እንተላ ተውፅኦ ዝነበረት ትኪ ሪኦም፥ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም።