Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ራእይ ዮሃንስ 18:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ካብ ሰማይ ድማ፥ ካልእ ኸምዙይ ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ፦ “ኣቱም ህዝበይ፥ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትተሓባበሩ፥ ኻብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉ፥ ካብኣ ውፁ፤

Ver Capítulo Copiar




ራእይ ዮሃንስ 18:4
16 Referencias Cruzadas  

ሎጥ ድማ ወፂኡ ነቶም ነጓላቱ ኽምርዓዉ ዝነበሩ ሕፁያት ደቁ፥ “እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፥ ተስኡ፤ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውፁ” በሎም። እቶም ሕፁያት ኣጓላቱ ግና ናይ ዋዛ መሰሎም።


ሰራቂ እንተ ረአኻ ምስኡ ትጐዪ፤ ዕድልካውን ምስ ኣመንዝራታት ገበርካ።


ካብ ባቢሎን ውፁ፤ ካብ ከለዳውያን ህደሙ፤ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተቤዚውዎ እዩ፤ እናበልኩም ብድምፂ ዕልልታ ኣውጁ፤ ክሳዕ ወሰን ምድሪ እውን ንገሩ።


ኣቱም ናይ እግዚኣብሄር ኣቑሑ እትፆሩ፥ ረሓቑ፤ ረሓቑ፤ ካብኡ ውፁ፤ ርኹስ ነገር ከቶ ኣይትንክኡ፤ ካብ ማእኸላ ውፁ፤ ንፁሃትውን ኩኑ።


“ኦ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል ባቢሎን ህደሙ፤ ካብ ሃገር ከለዳውያንውን ውፁ፤ ከምቲ ዲበላታት ንመጓሰ ዝመርሕወን ቅድሚ ዅሉ ውፁ።


ኣቱም ህዝበይ፥ ካብ ማእኸላ ውፁ። ነፍሲ ወከፍኩም ድማ ኻብቲ ጕሁር ቍጥዓ እግዚኣብሄር ርእስኹም ኣድሕኑ።


“ኣቱም ካብ ሰይፊ ዘምለጥኩም ኪዱ! ደው ኣይትበሉ! ኻብ ርሑቕ ንእግዚኣብሄር ዘክሩ፤ ንኢየሩሳሌምውን ኣብ ልብኹም ሕሰቡ።


እዙይ ጊዜ ሕነ ምፍዳይ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ከምቲ ዝገበረቶ ኽፈድያ እዩ፤ ብሰንኪ ዓመፃኣ ኸይትጠፍኡስ፥ ካብ ባቢሎን ህደሙ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነፍሱ የድሕን።


‘ንባቢሎን ፈወስናያ፤ ንሳ ግና ኣይተፈወሰትን። ፍርዳ ኽሳዕ ሰማይ ስለ ዝበፅሐ፥ ክሳዕ ደመናውን ልዕል ስለ ዝበለ፥ ነፍሲ ወከፍና ነናብ ሃገርና ንመለስ’ በሉ።”


“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።


ኣብ ሓደኳ፥ ኢድካ ኣንቢርካ ንምሻም ኣይትተሃወኽ፤ ኣብ ሓጢኣት ካልኦት ከይትሳተፍ፤ ንባዕልኻ ብንፅህና ሓሉ።


እቲ ሰላም ዝብሎ፥ ብኽፉእ ግብሩ ይተሓባበሮ እዩ እሞ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos